ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣብ ሕ/ሃ ብውዲት ወትሃደራዊ ዕንደራን ምጉባጥ ወደብን ከሲሳታ


UNSC
UNSC

ኢትዮጵያ ግና ንሳልሳይ ወገን ንምድንጋር ዝዓለመ ክሲ'ዩ ትብል

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ንክውሰን ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ሰሙናት ትደፍእ ከምዘላ ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ገሊፆም።ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ዝልእኽዎ ገንዘብ ንክቋረፅ፣ኣብ ዘፈራት ዕደናን መሸጣ ወርቂን ማዕቀብ ንክግበር፣ኣህጉራዊን ፋይናንሻዊን ትካላት ንኤርትራ ገንዘባዊ ልቃሕን ድጋፍን ንከይፈቅዳላ ዝሓትት‘ዩ ምኻኑ`ውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ብካልእ ወገን፣ዒላማ እቲ ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ዘቅረበቶ ፅሑፍ፣ንሳልሳይ ወገን ንምድንጋር ምኻኑ ዝሓበሩ ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ፣እዚ ናይ ኤርትራ ፃዕሪ፣ሪፖርት ቃፊር ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ (ሞኒተሪንግ ግሩፕ) ወግዓዊ ካብ ዝኾነሉ ወቅቲ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎን ንህዝቢ ኤርትራ ንምግጋይን ቀፂሉ ናይ ዘሎ ወፍሪ ኣካል‘ዩ።ተዘይኮይኑ ንኣሰራርሓ ቤት ምኽሪ ፀጥታን፣ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ቤት ምኽሪ ሕ/ሃ ከምዘላን ንዝፈልጥ ዝኾነ ሰብ ዘደናግር ኣይኮነን፣እቲ መግለፂ ቁምነገር የብሉን ይብሉ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ።

ንኽሊቲኡ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG