ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይከበር!' ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ መንግስቲ ክልል ትግራይ


ክልል ትግራይ
ክልል ትግራይ

‘ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ይጣሓስ ኣሎ ንዝበሎ ሕገ መንግስቲ ንክኽበር’ ጻውዒት ዘቕረበሉ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ‘መግለጺ ማዕርነት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ዝኾነ ሰንደቕ ዕላማ ይቕደድ’ሎ፣ ይጓሓፍን ብዘይ ሕጋዊ ባንዴራ ይትካእን’ሎ፣ እናተራኸሰን እናተቓጸለን ምርኣይ’ ዕለታዊ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ’።

ዜጋታት’ታ ሃገር ተንቀሳቂሶም ናይ ምስርሓን ሃብቲ ምፍራይን መሰሎም ይጣሓስ ኣሎ። ብሕቶ መንነትን ወሰን ምምሕዳርን ኣሳቢብካ ጎንጺ ምፍጣር፣ ሂወት ሰባት ምሕላፍ፣ ኣካል ምጉዳልን ንብረት ምብራስን’ውን ይኽሰት ኣሎ’ ይብል።

ብዘይካ’ዚ ‘መእንተ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኢሉ ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ፣ ንስሙን ክብሩን ብዘይምጥን ኣገባብ መጥቃዕቲ ይፍጸሞ ከምዘሎ’ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ንክዛዘም ድልየቱ ከምዝኾነ፣ እንተኾነ ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ግልጽነት ብዘለዎን ህዝቢ ብዘሳተፈን ኣገባብ ንክፍጸም’ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:15 0:00

XS
SM
MD
LG