ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ’ኤርትራ ኣብ ግጭት ደቡብ ሱዳን ጣልቃ ኣትያ’ ኢላ ትኸስስ። ኤርትራ ብወገና ካብ ስቓይ ደቡብ ሱዳን ትርብሑ ኢድኩም ኣውጽኡ ትብል


ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ኤርትራ
ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ኤርትራ
ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ‘ዮም ነዚ ገሊፆም።እቲ ኢድ ምእታው ኣብ ምንታይ ምዃኑ ግን ካብ ምግላጽ ተቖጢቦም።እንተኾነ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሶማልያን የመን ከይተረፈ ዕንቅፋት ከምዝኾነት ይፍለጥ‘ዩ ኢሎም።

ነዚ ክሲ‘ዚ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተረኸበን።ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ መንግስቲ ኤርትራ ግና፣መስርሕ ሰላም ዘሳልጣ ሃገራት ረብሓ ዘለወን‘የን፣ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንደቡብ ሱዳናውያን ይገደፍ፣እቲ ክሲ ሕሱር ፀወታ‘ዩ ክብል መልሲ ሂቡ‘ሉ ነይሩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ኮንግረሽናል መድረኽ ሪኢቶ ዝሃቡ ልኡኽ ኣሜሪካ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሚስተር ዶናልድ ቡዝ፣ብዛዕባ ጣልቃ ምእታው ኤርትራ ተሓቲቶም፣እቲ ክሲ ሰሚዕናዮ‘ለና፣ሓቅነት እንተልይዎ ክነፃርዮ ኢና ኢሎም ኔሮም።
ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:11 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG