ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዕጋቢ ኣይኮነን' ይብሉ ተንተንቲ


Ethiopia - Eritrea Borders
Ethiopia - Eritrea Borders

‘ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንውዕል ሰላም ዋላ’ውን እንተተፈራረማ ዝራኣይ መኽሰብ ኣይተረኸበሉን። ንግዳዊ ርክብ የለን፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሎሚ’ውን ውጥረት አሎ’ ይብሉ ተንተንቲ።

‘ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳቡብ ክልል ትግራይ ዘለው ብርቱዓት መራሕቲ፣ ምስ መራሕቲ ኣስመራ ነባራይ ውዕል ሰላም ክበጽሑ ይግባእ’ ባሃልቲ እዮም።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ ‘ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ታሪኻዊን ዓሚቅን ውጥረት፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንግዳዊ ርክብ ንከይቅጽል ጠንቂ ኮይኑ ከምኡ ኮይኑ’ውን ብዙሓት ከባቢታት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሓጸረ ኮይኑ ከምዝርከብ’ ይዛረቡ።

ሰላም ታደሰ ደምሴ ‘ካብ’ቲ ውዕል ሰላም ብዙሕ ተጸቢና ኢና። ብመንጽር ጊዜ ክንሪኦ ከለና፣ ክልተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ብርክት ዝበሉ ፍረታት’ቲ ውዕል ሰላም ንረኽበሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ። አብ ባይታ ዝራኣይ ዘሎ ግና ኣንጻሩ እዩ’ በለት።

ብዘይካዚ፣ መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣይተሳለጠን። ብሕልፊ ኣብ ከባቢ’ታ ኮምሽን ዶብ ንኤርትራ ዝወሰነላ ከተማ ባድመ። ሰላም ታደሰ፣

ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ‘ ንኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሑንን ሎሚ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዞም ዘለውን መራሕቲ ትግራይ ለውጢ ክሳብ ዘይተራኣየ፣ እቲ ውዕል ሰላም ንቅድሚት ንምድፋእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ’ ይብል።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ኤርትራ ተራኺቦም ነይሮም። ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረኺቦም እዮም። እቲ ፕሮግራም ኣስገዳድ ምልመላ እዩ ተባሂሉ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝንቀፍ መደብ እዩ ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00


XS
SM
MD
LG