ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ናበይ ገጹ ይእንፍት?


 ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ
ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ

ብመሰረት ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወፀ መግለፂ ሚኒስቴር ዜና ኤርትራ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መጥቃዕቲ ክትፍንው ትኽእል’ያ’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግን ንክሲ ኤርትራ ይነፅጉዎ።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ኤርትራ ብጠንቂ ትኽተሎ ኣላ ዝበልዎ ተፃባኢ ተግባራት፣መጥቃዕቲ ክንፍንው ንኽእል ኢና’ ከምዝበሉ ይፍለጥ። ናይ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ’ውን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ነቲ መጠንቀቂ'ቲ ደጊሞሞ’ለው።

ኹናትን ወረ ኹናትን ናበይ ዘብፅሕ’ዩ? ኩነታት ኣይሰላም ኣይኹናት ከመይ ገይርካ ይሰገር? ኣብ ዝብል ክካትዕሉ ንክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።

ኤርትራዊ ዮሃንስ ክፍሌ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላ ስለዝኣተወት፣ምስ ኤርትራ ናብ ኹናት ትኣትወሉ ዕድል ኣሎ ክብል ከሎ፣ ኢትዮጵያዊ ሃይላይ ሓድጉ ግና ኢትዮጵያ ኣብ ካልእ ዋኒናት ልምዓት ተፀሚዳ ስለዘላ ንኹናት ጊዜ የብላን ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:04 0:00

XS
SM
MD
LG