ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ መማህራን ኢትዮጵያ ድፍኢት ተቃወምቲ ነይሩዎ ኢሎም ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ


ኤርትራ ልዕሊ ሚእቲ ኢትዮያዊያን ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከምዝጨወየት'ውን ገሊፆም

ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ኢትዮዽያ ዝተካየደ ኣድማ ምቁራፅ ስራሕ ፖለቲካዊ ፀቅጢ ከምዘንቀሎ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ገሊፆም። መንግስቲ ኤርትራ፣ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮዽያ ኣብ ምእራይ ወርቂ ተዋፊሮም ንዝነበሩ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝጨወየ፣ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ልዝብ ኣይምለስን እንተበለ፣መንግስቶም ግና ብዘይምስልካይ ከምዝፍትን ጠቂሶም።

ንመምህራን ኢትዮዽያ ምምሕያሽ ደረጃ ዕብየት‘ምበር ወሰኽ ማሃያ ከምዘይተተግበረ ዝጠቀሱ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ መማህራን ከምዝሰርሑን፣ካብ ሞንጎኦም ኣብ ኣዲሳበባን ክልል ኣምሓራን ብሓፈሽኡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ መማህራን ሕጉሳት ዘይኮኑ‘ዮም።እቶም ዝተረፉ ግና ዘልዐልዎ ሕቶ የለን፣ከይዲ ትምህርቲ‘ውን ኣይተቋረፀን ኢሎም።

እቶም ሕጉሳት ዘይኮኑ መማህራን ኣመልኪቶም ቀ/ሚ መለስ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብድሕሪኦም ፖለቲካዊ ፀቅጢ ነይሩዎም ኢሎም። ኣስዒቦም፣
”ምድረ-ህውከተኛ፣ዓመፅ ክላዓል‘ዩ ኢሎም ኣፎም ማይ መሊኡ ነይሩ። ኦነግ ኣይትብል፣ሻዕቢያ ኣይትብል፣፯ ግንቦት ኣይትብል፣ኦብነት ኣይትብል፣ናይ ውሽጢ ሓርበኛታት ብሙልኦም ኣብያተ-ትምህርቲ ሎሚ ወይ ፅባሕ ህውከት ክኣትዎ‘ዩ ዝብል ዓብዪ ሕልሚ‘ዩ ነይሩዎም።ኣብ ገለ መማህራን ፀቅጢ ይዓርፍ ነይሩ‘ዩ።ነናብ ከባቢኡ እናተደወለ እንታይ‘ዳኣ ኮይንኩም ኣባርዕዎ‘ምበር፣ደንጒኹም‘ኮ እናተባሃሉ ፀቅጢ ዘጋጠሞም ገለ ደገፍቶም ኣለው” ይብሉ ንሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምስሕሓብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ብልዝብ ንምፍታሕ ዓሊሞም ሽማግለታት ኢትዮዽያ‘ውን ከይተረፉ ንዝተሳለጡ ፈተነታት ብምጥቃስ ክሳብ ሎሚ ፍረ ኣይተረኸበን ኢሎም።

ብመፅንፅር ልዝብ ንመርገፂ መራሒ ኤርትራ ዝወቀሱ ቀ/ሚ መለስ፣ ኢትዮዽያ ከይረብረብረበት ንማዕፆ ምንኩሕኳሕ ክትቅፅለሉ‘ያ ኢሎም።

“ናይ‘ቲ ስርዓት መራሒ ኣብ‘ዚ ቀረባ ከምዝገለፅዎ፣ኢትዮዽያ ነቶም ዝፈላልዩና ተቀቢላ ክሳብ ዘይተግበረት፣ልዝብ ዝባሃል ነገር የለን ዝብል ቁርፂ ተዛሪቦም‘ዮም።ናትና መርገፂ ድማ፣እቶም ዝፈላልዩና ቅድሚ ልዝብ እንተተፈቲሖም፣ልዝብ ዳኣ ንምንታይ ኣድለየ? ዝብል‘ዩ።ብናትና ኣጠማምታ፣ ልዝብ ዘድልይ፣ዝፈላልዩና ነገራት ተላዚብናን ተማኺርናን ንምፍታሕ‘ዩ።ስለዚ ኣካል ስትራተጂና ስለዝኾነ፣መልሶም ኣይፋልናን ንልዝብ‘ውን እንተኾነ ንሕና ንልዝብ ምፅዋዕና ኣየቋርፅን” ይብሉ ቀ/ሚ መለስ።

ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ መብሪህኦም፣ብዛዕባ እቶም ኣብ ምእራይ ወርቂ ዝነበሩን ብመንግስቲ ኤርትራ ተሓፊሶም ዝበልዎምን ኣስታት ሚእቲ ሰባት ፅፁይ ሓበሬታ ኣይወሰኹን።

ኣብ ሶማልያ ብዛዕባ ዝወፈረ ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣማእኪሎም ክዛረቡ ከለው፣ኩነታት ምስ ተመቻቸው ኣብ ቀረባ ካብ ሶማልያ ክስሕብ‘ዩ ኢሎም።
ሰራዊት ኢትዮዽያ ባይዶዋ ንሰራዊት ዩጋንዳ፣በለትወይን ድማ ንሰራዊት ጂቡቲ ኣረኪቡ ንዓዱ ክምለስ‘ዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG