ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሳተፍቲ ኦሎምፒክ ለንደን ኣጋይሽና ኮይኖም


ኣብ ለንደን ኦሎምፒክ ጉያ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ዝተሳተፉ ኢትዮዽያዊ ገረዝጊሄር ገ/ማርያምን ኤርትራዊ ተኽለማርያም መድህንን፣ብዙሕ ዝዝክርዎ ሓባራዊ ተዘክሮታት ኣለዎም።

ክልቲኦም ኣትሌታት ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ለንደን ሓቢሮም ኣብ 10 ሜትሮ ተወዳዲሮም።ተኽለማርያም መበል ሻውዓይ፣ገረዝጊሄር መበል ሻምናይ ኮይኖም ነቲ ውድድር ዛዚሞም።

ገረዝጊሄር ኣብ ፀጋማይ እግሩ ናይ ጨዋዳ ፀገም ከምዘጓነፎን፣ሓኪሙ ኣብ‘ቲ ውድድር ንከይሳተፍን ከምዝሓተ ግን ዝትከኦ ካልእ ኣትሌት ስለዘይነበረ ጥራሕ ከምዝተወዳደረ ገሊፁ።

ተኽለማርያም ብወገኑ ምስ እንግሊዛዊ ሞ ፋራሕ ኣብ እዋን ጉያ ምስሕሓብ ይኹን ምጉናፅ ከምዘይነበረ፣ዝውቱር ናይ ኣትሌታት ቅዲ ጉያ ከምዘፈላለዮም ጠቂሱ።

ብሓፈሽኡ ክልቲኤን ሃገራት ካብ‘ቲ ናይ ቤይጅንግ ኦሎምፒክ ዝተረኽበ ሽልማት ዝታሓተ ሜዳልያ ሒዘን ንዓደን ከምዝተመልሳ ግና ዝፍለጥ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG