ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኤርትራ ብምእታው ፀረ ኢትዮጵያ ሓይልታት ንዝስልጥኑሎም ሰለስተ ካምፕታት ኣጥቒዐ ትብል


መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ጀርመናውያን በቲ ንሱ ዘይደልዮ መንገዲ ስለዝተፈትሑ ዝገብሮ ዘሎ ተዋስኦ`ዩ ኢሉ

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶብ ብምስጋር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ናይ ኣሸበርቲ መሰልጠኒ ካምፕታታ መጥቓዕቲ ፈኒዮም ክብል ምንስቴር ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።ብወታደራት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ዕዉት ነይሩ ክብሉ’ውን ምንስቴር ደኤታ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ሽመልስ ከማል ተዛሪቦም ኣለው።

‘’ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ንጉሆ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 16 ወይ’ውን 18 ኪሎ ሜትር ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኤርትራ ብምእታው ብደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ብተደርጋጋሚ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ናይ ዝፍፅሙ ሓይልታት ካምፕታታ መጥቓዕቲ ኣብፂሑ’ሎ’’

በቲ መጥቓዕቲ ዝበፅሑ ዝርዝር ጉድኣታትን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዝተወሰዱ ዝርዝር ስጉምትታትን ዝምልከት ሓበሬታ ተፃፊፉ ምስበፅሐ ብወግዒ ዕላዊ ክኸውን እዩ ኢሎም ኣቶ ሽመልስ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝወስዶ ግብረ-መልሲ ክገልጹ ዝተሓተቱ ምንስተር ዜና ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሀውተቲ መኣዲ ክዕደም ከምዘይኮነ ወያነን ዘራያቱን ክፈልጥዎ ከምዝግባእ ምዝኽኻር`ዩ” ኢሎም።።

ወሃቢ-ቓል ኢትዮጵያ ኣቶ ሽመልስ ፡መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም ካምፕታት ተለኣኣኽቲ ሓይልታት ፀረ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ስልጠና ዝወሃበሎም ማእኸላት ራሚድ፡ገልሃቤን ጊምቢን ተባሂሎም ዝፅውዑ ቦታታት ምዃኖም’ውን ወሲኾም ገሊጾም።

ቪኦኤ ኣብ ባይታ ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንምርካብ ኣይከኣለን፡ ግን ምስቶም ኣብቲ ኣብ ባይታ ዘለዉ ሰባት ቀጥታዊ ርክብ ኣለኒ ዝበለ፡ ኣብ በልጅም ዝርከብ ትካል ሰብኣዊ መሰል ዓፋር ኣዘራሪብና`ለና። ፕረሲደንት`ቲ ማሕበር ኣቶ ገዓስ ኣሕመድ ኑር “ኣብ`ቲ ቱሪስት ተጨውየምሉ ዝነበሩ ኸባቢ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ዓፋርን ኹናት ከምዝነበረ ተሓቢሩኒ`ሎ” ኢሎም።

ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከምኡ`ውን ምስ ሓደ ናይ ዓፋር ማሕበር ዝተገብረ ሰለስተ መደባት ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG