ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምስፍሕፋሕ HIV/AIDS ይንኪ ከምዘሎ ኣብ ዩነይትድ ስቴትስ ዝርከቡ ክልተ ሰብ ሙያ ጥዕና ገሊፆም


ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምስፍሕፋሕ HIV/AIDS እናነከየ ከምዝኾነን ክታበት ንምርካብ ኣብ ዓለም ዝግበሩ ምርምራት እውን ተስፋ ዝህቡ ከምዝኾኑን ክልተ ሰብ ሙያ ጥዕና ገሊፆም

ዶ/ር ዳውድ ሲራጅ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢስት ካሮላይን ክፍሊ ሕክምና ተሓባባሪ ፕሮፌሰርን ክኢላ ተመሓለፍቲ ሕማማትን ክኾኑ ኸለዉ ዶ/ር ሰለሞን ገብረድንግል ድማ ኣብ ሁስተን ቴክሳስ ላዕለዋይ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት`ዮም። ንሳቶም ኣብ ሓበረትኦም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝግበሩ ናይ ምክልኻል ኣስተምህሮታትን ምክንኻናትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዓብይ ምስፍሕፍሕ HIV ሕዚ ናብ 2.1 ሚታዊ ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ካብ 2.71 ሚኢታዊ ናብ 1.33 ሚኢታዊ ከምዝወረደ እቶም ክኢላታት ሓቢሮም።

መድሓኒት ንምርካብ ኣብ ዓለም ዝግበሩ ዘለዉ ምርምራትን ምፅናዕታትን እውን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዙሕ ተስፋ ዝተገበረሎም ምርምራት ከምዘለዉ ገሊፆም።ምሉእ ትሕዝትኡ ኣድምፁ።

XS
SM
MD
LG