ኣብ ኣሜሪካ ዝቆመ ምሕዝነታዊ ርክብ ኢትዮዽያን ኤርትራን፣ ሽልማት ተቀቢሉ።ዶ/ር ዳንኤል ተ/ኣብን ኣቶ ፈረደ ነጋሽን‘ዮም ኣጋይሽ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ።
ዶ/ር ዳንኤል ተ/ኣብ እቲ ሽልማትን ኣፍልጦን ንቀፃላይ መደባት እቲ ሓባራዊ ማሕበር ሓይሊ ዝውስኽ፣ሽፋን ሚድያ ንክረክብን ምስ ህዝቢ ኣብ ምልላይ ስራሕቲና ከሐግዘና‘ዩ ይብል።
ኣባል ቦርድ‘ቲ ማሕበር ዝኾነ ዶ/ር ዳንኤል፣ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኮሚኒቲ ኢትዮዽያን ኤርትራን ንዕላማ‘ቲ ማሕበር ገና ኣይረኸብዎን ዘለው ኢሉ።ንሱ ወሲኹ፣ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያንን ብሕልፊ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተጀመረ ስራሕ ዘተባብዕ ምኻኑ‘ውን ጠቂሱ።