ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያውን ኤርትራውን ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ይነቕፉ


Map of Eritrea
Map of Eritrea

ኣብ`ዚ ቐረባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ማዕረ ዕድል ዝኸፈተ ኸምዘይነበረ መንግስቲ ኣመሪካን፡ ነቲ ምርጫ ዝተዓዘበ ጉጅለ ሕብረት ኤውሮጳን ምንቃፎም ይዝከር። ኢህወደግ ብወገኑ ድልየት ህዝቢ ዝተንጸባረቐሉ ምርጫ`ዩ ኔሩ ይብል። ተቓወምቲ ድማ ናትና ተዓዘብቲ ካብ ዝተሰጎጉሉ ምርጫ፡ ቕኑዕ ክኸውን ኣይንጽበይን ይብሉ።

ኣብ`ዚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝቐረቡ ኢትዮጵያውን ኤርትራውን፡ ኣኣብ ሃገራቶም ብዘሎ ፖለቲካዊ ዕድል ዕጉባት ኣይኮኑን። ካብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ፡ ኤርትራዊ ኣቶ ኣማኑአል እያሱ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ፡ ሽሕ`ኳ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይሃሉ`ምበር፡ እናማዕበለ ክኸይድ ዝኽእል ሰናይ ተበግሶ`ዩ ይብል።ኣብ ኤርትራ ከምኡ ዓይነት ዕድል`ውን የለን ይብል። በንጻሩ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ሓቅነት ዘይተመርኮሰ ንፖለቲካዊ ረብሓን ንምዕራባውያን ንምሕጓስን ኢልካ ዝግበር ናይ ምርጫ ተዋስኦ፡ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምርጫ ዘይምግባር፡ ተፈልዩ ክርኣይ ዝግብኦ ኣይኮነን ይብል። ነቲ ክትዕ ዝመርሖ ተወልደ ወልደገብሬል`ዩ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ቲ ናይ ድምጺ ምልክት ጠውቕ

XS
SM
MD
LG