ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብራን ኩነታት ዕዳጋን ከተማ መቐለ ኣብ ድሮ ኣውደ ኣመት


Mekelle Market
Mekelle Market

ሰንበት ኣመንቲ ክርስትና ዓመታዊ ዘብዕልዎ በኣለ ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ይፍለጥ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ግርማይ ገብሩ ናብራ ኣብ ድሮ ኣውደ ኣመት ‘ታይ ይመስል እንትብል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንነጋዶን ዓዳጎን ሓቲቱ’ሎ።

ዝበዝሑ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ናብራ ኣዝዩ ከምዝኸበዶም እዮም ዝገልፁ። ብፍላይ ዋጋ ክራይ ገዛ፣ ዘይቲ፣ ጣፍ ከምኡ እውን ዋጋ ኣባጊዕን ደርሁን ዓመታዊ እንትርፊ ምውሳኽ ኣይነከየን ይብሉ።

ነጋዶ ጠለ በጊዕ ድማ ነቲ ወሰኽ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ኣብቲ ክልል እኹል ምህርቲ ስለዘየለን ካብ ጎረባብቲ ክልላት ዓዲጎም ስለዘቕርቡን ምዃኑ የረድኡ።

በቲ በለ በዚ ኩሎም ኣውደ ኣመት ሕጉሳት ኮይኖም ክውዕሉ በብዓቕሞም ካብ ምድጋስ ዓዲ ከምዘይውዕሉ እዮም ዝገልፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:23 0:00

XS
SM
MD
LG