ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ጸገማት፣ ተኽእሎታትን ዕድላትን’ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን(2ይ ክፋል)


መዘራረቢ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ‘ጸገማት፣ ተኽእሎታትን ዕድላትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ/ኢትዮጵያን’ ዝብል እዩ። ኣጋይሽና ኣለማየሁ ፈንታውን ጳውሎስ ተስፋገርጊስን እዮም።

ቀዳማይ ጋሻና ኤርትራዊ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊዮርጊስ እዩ። ንሱ ካብ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል ካናዳ ናይ ሕጊ ዲግሪ ረኺቡ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኤርትራ ናይ ሕጊ መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

ኣብ ሰማንያታት፣ ንኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኤርትያውያን ዜተሓባብር ዝነበረ። ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ንቅዋም ኤርትራ ምስ ዘዳለወ ኮሚሽን ኮይኑ ዝሰርሐ። ብ2002 ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስን 17 ካልኦት ኤርትራውያንን "ንድሕነት ኤርትራ ተበግሶ ዜጋታት" (ሲ. ኣይ. ኤስ.) ዝብል ማሕበር መስሪቶም እዮም።

ካልኣይ ጋሻና ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣለማየሁ ፈንታው ኣብ ሚያዝያ 2009 ካብቲ ኣብ ሽላይኒንግ ኦስትርያ ዚርከብ ማእከል መጽናዕቲ ሰላም ዩኒቨርሲቲ ኤውሮጳ ብውሕሉል ስነ ጥበብ መጽናዕቲ ሰላምን ግጭትን ተመሪቑ፣ ኣብ ሳልዝበርግ ግሎባል ሰሚናር’ውን ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምሂሩ። ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ፊላደልፍያ ፐንሲልቫንያ ከምኡውን ኣብ ሳንታ ባርባራ ዩኒቨርሲቲ ቪላኖቫ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሱፎክ ኮለጅ ሳይንስን ስነ-ጥበብን በጻሒ ፕሮፌሰር ኣስተምህሮ መንግስቲ ዀይኑ ይዓዪይ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:26:10 0:00



ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG