ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

14 ዓመታት ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1ይ ክፋል)


ዝሓተተኦን ብጽሕትን ክልቲኤን ሃገራት
ዝሓተተኦን ብጽሕትን ክልቲኤን ሃገራት

‘ኢትዮጵያ ንሉኣላዊ መርየት ኤርትራ ጎቢጣ ካብ ትሕዝ 14 ዓመታት ኮይኑ’ሎ’ ዝበሉ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፣ እዚ ጉዳይ’ዚ ንሓንሳብን ንሓዋርን ክፍታሕ ኣለዎ፣ ቀጻሊ ምዝኽኻርን ጥርዓንን ንገብር ኣለና’ ኢሎም።

ብመሰረት ብይን ኮምሽን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝተዋሃበ መርየት ኣይሓዝናን ዘለና፣ ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ኣይንህብን’ዩ ጭብጥና፣ መን እንታይ ጎቢጡ ሒዙ’ሎ? ማንም ክሪኦ ዝኽእል’ዩ’ውን ይብሉ ኣምባሳደር ግርማ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣ ትግባረ’ቲ ውዕል ሰላምን ብይን ኮምሽን ዶብን ኣብ እንግደዐ ክልቲኤን ሃገራት’ዩ፣ ሓላፍነት’ቲ ቤት ምኽሪ ምሕጋዝ ጥራሕ’ዩ ኣይብልን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣብ ክንድኡ እቲ ቤት ምኽሪ ንቻርተር 7 ክፍፅም ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ ተመሳሳሊ ሪኢቶ ዝተሓተቱ ኣብ ኒውዮርክ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቶ ዳዊት ይርጋ ብወገኖም ‘ትግባረ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን፣ ኣብ ርእሲ ክልቲኤን ሃገራት’ዩ’ ኢሎምና’ለው። ፅባሕ ዓርቢ ክነቅርቦም ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:31 0:00

XS
SM
MD
LG