ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዋጊኦም'ዶ? ዝብል ሕቶ ኣሳሓሓቢ ኮይኑ


'ክሳብ ሽሕ ጉድኣት ብዓይነይ ሪኤ'፣'ተኹሲ ዝባሃል የለን' ዝብሉ ሪኢቶታት'ውን ኣለው

ሰራዊት ኢትዮዽያን ኤርትራን ተላቲሞም፣ብውሑድ ሓደ ሽሕ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተወግኡን ድምፂ ተኹሲ ከምዝሰምዑን ሓደ ምስክር ገሊፆም።ብካልእ ዜና፣እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይዝረበሉ ዘሎ ግጭት ኢትዮዽያን ኤርትራን ሓቅነት ዘይብሉ ምኻኑ ኣማሓዳሪ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ ባድመ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮዽያ ሰራዊት ኢትዮዽያን ኤርትራን ተዋጊኦም ኣስታት ሽሕ ወትሃደራት ከምዝቆሰሉ ብዓይነይ ሪኤ ዝበሉ ሰብ ገሊፆም።
መንነቶም ክግለፀሎም ዘይደለዩን ኣብ ስራሕ ህንፃ‘ዩ ዝዋፈር ዝበሉ እቶም ምስክር ”ኣብ ሕክምና ዝኣተው ልዕሊ ሽሕ ዝኾኑ ኣለው።ናይና ጥራሕ ዘይኮኑስ ወትሃደራት ሻዕቢያ‘ውን‘ዮም ይሕከሙ ዘለው” ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ሕነ’ቶም ኣብ ወርቂ ንምእራይ ተዋፊሮም ዝነበሩን ናብ ኤርትራ ተሓፊሶም ዝተባሃሉን ኢትዮዽያዊያን፣ኣብ መዓልቲ ናፅነት ኤርትራ፣ዶብ ሰጊሩ ኣብ ምዕራባዊ ግንባር ከባቢ ባድመ፣ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ፣ንምንጭታት ምንስቴር ምክልኻል ኢትዮዽያ ዝጠቀሰት ሓንቲ ጋዜጣ ገሊፃ።

መሳርሕትና ሄኖክ ሰማግዝሄር ዘዘራረቦም ኣባል ኣመራርሓ መድረክ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣ብዛዕባ‘ቲ ምስ ሻዕቢያ ዝተካየደ ውግእ ፅፁይ ሓበሬታ የብልናን።ሓደ ሓደ ሰባት ግና፣ኣብ‘ቲ ከባቢ ድምፂ ተኲሲን ውግእን ይስማዕ ከምዝነበረን፣ዝተቀትሉን ዝተማረኹን ከምዘለው ድማ ካብ ሚድያታት ፈሊጥና‘ለና ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ብዛዕባ‘ቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለፂ ዛጊድ የለን።ምንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፣ብዛዕባ‘ቲ ዜና ተሓቲቶም ’ዝህቦ ሪኢቶ የብለይን’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG