ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መልሲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንፃውዒት ማሕበረ-ሰብ ዓለም


ኢትዮጵያን ኤርትራን
ኢትዮጵያን ኤርትራን

ኣምባሳደር ኤርትራ ነቲ ብሕ/ሃ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለም-ለኻዊን ዞባዊን ትካላትን ዝቀረበ መፀዋዕታ ኣይንቅበሎን ክብሉ ከለው፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ግና ንሕና’ውን ከምኡ ኢልና ንዛረብ ስለዝፀናሕና ንቅበሎ ኢና ይብሉ።

እቶም ትካላትን ብውሑድ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝጀመረኦ ተፃብኦ ክገትኣን፣ እቲ ቅልውላው ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፈትሓ መፀዋዕታ ኣቅሪበን ኣለዋ።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፣ እቲ መፀዋዕታ ንወራሪ ዝበልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንኤርትራን ዝለከመ ስለዝኾነ ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ፣ ኣብ ክንድኡ ንኢትዮጵያ ዝኹንን ክኾን ነይርዎ በሉ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ነባራይ ሰላም ክረጋገፅ እንተኾይኑ ኮምሽን ዶብ ዘሕለፎ ብይን ክትግበር ከሎ’ዩ ይብሉ ኣምባሳደር ግርማ። ኢትዮጵያ ግና ቅድም ክንላዘብ ኣለና ከምትብል ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዘረባና፣ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮምን ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙን፣ ኣብ ሓደ እዋን ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ይስለፉ ነይሮም። ግርማ ኣስመሮም ተፃዋታይ ጋንታ ዳኘው፣ ተቀዳ ኣለሙ ድማ ተፃዋታይ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ነይሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:49 0:00

XS
SM
MD
LG