ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውግእ ውክልና ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ 10 ዓመት ካልእ መኣዝን ሒዙ


ኣብ'ዚ ዳሕራዋይ ምስሕሓብ 'ኣርዱፍ' ጠንቂ ዶብ ሰገር መጥቃዕቲ ኮይኑ

ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፈፀመቶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ነቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ይካየድ ዝነበረ ኢድ-ኣዙር ውግእ ሓድሽ መኣዝን ኣትሒዝዎ‘ሎ።ፒተር ሃይንለይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝላኣኾ ሪፖርት፣ሎሚ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥን ኣብ ዶብ ሰገር መጥቃዕቲ ተሳቲፉ ዝባሃልን ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ትኹረት ተዋሂቡዎ‘ሎ ይብል።

ሰራዊት ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ሰሙን፣ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ንወትሃደራዊ ካምፕታት ድሕሪ ምውቅዑ፣ኣብ ዶብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ውጥረት ንሂሩ‘ሎ።

ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣቶ ሽመልስ ከማል፣እቲ መጥቃዕቲ ሕነ እቶም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተቀትሉን ዝተጨወዩን ስለዝኾነ ምኽኑይ‘ዩ ይብሉ፣

”እቶም ዝተወቅዑ ካምፕታት፣መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ካምፕታት፣ጉጅለታት ግብረ-እከይ ዝዕልመሎምን ዘዋፍረሉን ስፍራታት‘ዮም ነይሮም።

እዚ ዶብ ሰገር መጥቃዕቲ፣ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝዘለቀ ዳሕረዋይ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸሰተ ቀዳማይ ስርሒት‘ዩ ይብሉ ተንተንቲ።ኣብ‘ቲ ጃላ ኮይኑ ዝተዛዘመ ኲናት፣ክሳብ ሰማንያ ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

እቲ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ብኣፍልጦን ፈቃድን ኤርትራ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ጉጅለታት ተመጣጣኒ‘ዩ ትብል ኢትዮዽያ።

ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም፣ ኤርትራ ብዘይፍለጥ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ተጎልቢባ ኢድ-ኣዙር ኲናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ‘ያ ፈንያ ኢሎም ከሲሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈነወት፣ ትኲረት ካብ‘ቲ ኣብ ሉኣላዊነት ኤርትራ ፈፂማቶ ትብሎ ጎበጣ ናብ ካልእ ንምቅያር ዝዓለመ ውፁእ ወረራ‘ዩ ኢላ ኣውጊዛቶ‘ላ።

ኤርትራ ኣብ መግለፂኣ፣ምስ’ታ ኣዝያ ትዓብያ ጎረቤታ ናብ ኲናት ከምዘይትፅመድ ኣፍሊጣ‘ላ።

ንኣርዱፍ ዕጡቅ ሓይሊ ዓፋር ደገፍ ኣፅዋርን ገንዘብን ትገብር ኤርትራ‘ያ ትብል ኢትዮዽያ።ኤርትራ ብወገና፣ኢትዮዽያ ንኣርዱፍ ከምሰበብ ተጠቂማ ወረራ‘ያ ትፍፅም ዘላ ትብል።

ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉን ዝትንትኑን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን፣ኣርዱፍ ዝባሃል ሓይሊ ዝተማህዘ ይኹን ንኢድ-ኣዙር ኲናት ዝጥቀሙሉ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ ይብሉ።

ዴቪድ ሽን ኣብ ዘረበኦም፣ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝሓለፈ ሚያዝያ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዘቅረብዎ ፀብፃብ፣መንግስቶም ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክዓሉ ንዝወጠነ ሓይሊ ክድግፍ‘ዩ ከምዝበሉ ኣዘኻኺሮም።ኣቶ መለስ ነቲ ሪኢቶ ዝሃቡ፣ኤርትራ ኣብ እዋን ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ቦምብ ንክትፍፅም ኣዋዲዳ‘ያ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም‘ዩ። ኤርትራ ነቲ ክሲ ከምዝነፀገቶ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG