ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ኤርትራ መዘራረቢ ኮይኑ


ቀርኒ ኣፍሪቃ
ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሕልፊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ውግዘት ወይካኣ መቅፃዕቲ ዘየሕለፈሉ ቀንዲ ምኽንያት ይብሉ ኣቶ ግደይ ዘረአፅዮን ”ኤርትራ ኣብ‘ቲ ከባቢ ብዘሎ ሕ/ሰብ፣ሰላም ትፀልእ ኣላ፣ንዝተፈላለዩ ተቃወምቲ እናዓለመት ትሰድድ‘ላ።ብፍላይ ንኣል-ሸባብ ትድግፍ ዘላ ኤርትራ‘ያ” ዝብል ክሲ ስለዝቀርባ‘ዩ ኢሎም።

ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብወገኖም “ዞባውያን ይኹኑ ኣህጉራውያን ሓይልታት፣ ኣቀዲሙ ዝወሰድዎ ስጉምታት ኣለው‘ዮም።ካብ ኢጋድ ኣትሒዝካ ክሳብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ንኤርትራ ከም ናይ‘ቲ ዞባ ጠንቂ ዘይምርጋእ‘ያ ኢሉ ኮኒንዋ‘ዩ።ውሳነ‘ውን ኣሕሊፉ‘ዩ።እገዳ ገይሩ‘ዩ።ኩሉ እቲ ክግበር ዝካኣል ገይሩ‘ዩ።ኣብ‘ዚ ዘለናዮ ዓለም ኩሉጊዜ፣ረብሓ‘ዩ እቲ ቀዳምነት ዝስራዕ።ከም ምድፋር ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር መጠን ግና፣ተግባር ኢትዮጵያ ክኹነን ነይርዎ።ግን ኣይተገብረን“ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG