ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ 'ኣብ ልዕሊ ጥቃ ባድመ ዘሎ ትሕዝቶ ኤርትራ መጥቃዕቲ ፈጺማ` ክብል ሮይተርስ ዝፈነዎ ዜና ውጹእ ሓሶት`ዩ ኢላ


'ዝተፈነወ ሓበሬታ ሓቂ ኣይኮነን' ኢሎም መንግስታዊ ባዓል-ስልጣን

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮዽያ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝፈፀመ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ገሊፆም‘ለው።መንግስቲ ኢትዮዽያ ግና ነዚ ዜና‘ዚ ይነፅጎ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮዽያ፣ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ካምፕታት ኤርትራ፣መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ቤት ዕዮ ኮምኒኬሽን ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣፍሊጡ‘ዩ።

ሎሚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ኤርትራ ዝተፈፀሙ መጥቃዕታት እውን እንተኾኑ፣ተወሳኺ ሓበሬታ ይስምዑ‘ለው።ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ፣ ሰራዊት ኢትዮዽያ፣ጥቃ ባድማ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ኤርትራ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈፂሙ‘ሎ።ሰሙናዊ ጋዜጣ ኣድማስ‘ውን ተመሳሳሊ ዜና ኣውፂኡ‘ሎ።

እንተኾነ፣ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ዝተገለፀ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዘይተፈፀመ መንግስቲ ኢትዮዽያ ይገልፅ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ፣ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣እዞም መግለፂታት ቅኑዕ ኣይኮኑን ይብሉ።ምንስትር ዴኤታ ቤት ዕዮ ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ ሽመልስ ከማል ንቪኦኤ ክገልፁ ከለው ነቲ ዜና ይነፅግዎ።

“ዝተፈፀመ ነገር የለን።ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ይዝርጋሕ‘ሎ።ግጉይ ሓበሬታ‘ዩ። ኢትዮዽያ ብዘይካ‘ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተገልፀ ማለት‘ዩ፣ካልእ መጥቃዕቲ ኣይፈነወትን” ይብሉ ኣቶ ሽመልስ።

እቲ ቤት ዕዮ፣ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮዽያ ኣብ ራሚድ፣ገላሕቤንን ጊምቢን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰለስተ ማእከላት ታዕሊም ሰራዊት ኤርትራ፣መጥቃዕቲ ፈፂሙ ኢሉ ከምዝገለፀ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ሓሙስ መጥቃዕቲ፣ኣብ‘ተን ማእከላት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ጥፍኣት ተመጣጣኒ ስጉምቲ ተወሲዱ‘ዩ ምባሉ‘ውን ይፍለጥ።

ነቲ መጥቃዕቲ ኣስዒቡ መግለፂ ዘውፀአ ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ፣መልሰ ግብሪ መጥቃዕቲ ከምዘይፍፀም ኣፍሊጡ‘ሎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ስጉምቲ ንክወስድ‘ውን ሓቲቱ‘ሎ ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG