ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መራሕቲ ኣፍሪቃ - ኢትዮጵያ ንትኽተሎ ኣገባብ ኣፈታትሓ ቅልውላው ምስ ኤርትራ ደጊፎምዎ' ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ!


ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘሳሓሕበን ፀገም ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፈትሓ ከምዝወሰነ ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ኢትዮጵያ ገሊፆም።

“ ኣምባሳደር ብርሃነ ንመርገፂ ኢትዮጵያ ድሕሪ መብርሂ ምሃቦም ጉባኤተኛ ናእድኡ ብጣቂዒት’ዩ ገሊፁ።ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣፈላላዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ይፍትሑ ዝብል’ዩ።ናይ’ዚ እዋን’ዚ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ነቲ ምይይጥ በዚ ኣገባብ’ዚ’ዮም ዓፅዮምዎ” ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ “መፃኢ ጊዜ እንታይ ከምዘምፅእ ንምግማት ዘይካኣል’ዩ፣እንተኾነ ድልየት ህዝቢ ክስዕር’ዩ ዝብል እምነት ኣለና፣እቲ ብመራሕቲ ዝተፈጥረ ሓፁር ክውገድ’ዩ፡መራሕቲ ልቢ እንተጥረዩ’ዩ ዝምረፅ፡ኣብ ዘረባና ምስ ብርክት ዝበሉ ናብ ኣዲሳበባ ዝመፁ መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ምስሕሓብ ምስ ኤርትራ ንዘራረብ ኢና።መራሕቲ ኤርትራ መጀመርያ ሕራይ ኢሎም ምልክት ይህብዎም ዳሓር ይስወሩዎም። ስለዚ እዚ ሓደ መዓልቲ ክፍፀም’ዩ ኢልና ኢና ተስፋ ንገብር” ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:53 0:00

XS
SM
MD
LG