ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ሰንበት ዘካየድዎ ኹናት እንታይ ይብሉ?


ኣሳሓሓቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት
ኣሳሓሓቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት

‘ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዘውፈረቶ ሰራዊት ስርሑ ስለዝፈፀመ ስሒብናዮ ኣለና’ ኢሎም መንግስታዊ ወሃቢ ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ።

ንሶም ሎሚ ሰሉስ ምስ ወፃእተኛታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ‘ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሙሉእ ኹናት ንምክያድ ዓቅሚ ኣለና።እንተኾነ ምርጫና ኣይኮነን። ሙሉእ ኹናት ክመፅእ ዝኽእል፣ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ ክገብሮ ኣብ ዝውስኖ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ፣ ብዘሕዝን ኩነት ኩሉ ጊዜ ከቢድ ዋዳ ድሕሪ ምኽፋሉ ጥራሕ ዝማሃር መንግስቲ’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ’ ኢሎም።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተወለዐ ግጭት ኣማእኪሎም ቃለ ምልልስ ዝሃቡና ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ብወገኖም ‘እቲ ግጭት ዝተወለዐ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወረራን መጥቃዕቲን ስለዝፈፀመት’ዩ’ ይብሉ።

ኣምባሳደር ግርማ ወሲኾም ‘እቲ ውግእ መን ጀሚርዎ ንዝብል ሕቶ ክልተ ነገር ምጥቃስ ይኣክል። ቀዳማይ ኢትዮጵያ ብቅሉዕ ኣብ ፓርላማ ዝፍክር ዝነበረ መን’ዩ? ካልኣይ እቲ ወራሪ ተጠቂዔ ክብል ኣይኽእልን። መንግስቲ ኩሉ-ሻዕ እዚ ምስሕሓብ’ዚ ብሰላም ክፍታሕ ከምዝፅውዕ ፍሉጥ’ዩ’ በሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊትና ስሒብና ድሕሪ ምባሉ’ውን ሪኢቶ ንክህቡ ዝተሓተቱ እቶም ኣምባሳደር ‘ተግባር ኢትዮጵያ ክኹነን ኣለዎ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:46 0:00

XS
SM
MD
LG