ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንትግባረ ማዕቀብ ኤርትራ ክትነጥፍ ምኻና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ


ኩሎም ዝሓለፉ ውሳነታት ኣይተተግበሩን ዝብል ገምጋም'ውን ኣለዋ ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ማዕቀብ ብፅኑዕ ንክትግበር ኢትዮዽያ ኣበርቲዓ ከምትዓየሉ ኣብ ሕ/መ ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓፋር ንሓሙሽተ ቱሪስታት ድሕሪ ምቅታሎምን ንኣርባዕተ ሰባት ድሕሪ ምጭዋዮምን፣መግለፂ ዘውፀአት ኢትዮዽያ ዓቅላ ይፅንቀቅ ከምዘሎ ገሊፃ‘ያ።ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ‘ውን ነዚ ስምዒት‘ዚ ኣንፀባሪቆም‘ለው።

ዛጊድ ዝሓለፉ ውሳነታት ማዕቀብ ብጥቅዊ ክትግበሩ ኣይተራኣዩን ዝበሉ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ፣ካልኣይ ዙር ማዕቀብ ዝሓለፈ፣እቲ ቀዳማይ ማዕቀብ ብግቡእ ኣብ ዘይተተግበረሉ ባይታ‘ዩ ይብሉ።

ዶ/ር ተቀዳ ወሲኾም ”ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝሓለፈ 1907 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ማዕቀብ ኣይተተግበረን። ኤርትራ‘ውን ነቲ ዝተሓተተቶ ኣይተግበረትን።ነቲ ኣብ ሶማልያ ትፍፅሞም ዝነበረ ተግባራት ቀፂላትሉ‘ላ።ንኣል-ሸባብ ኣበርቲዓ ምሕጋዝ ቀፂላትሉ‘ያ። ከምኡ ንምግባራ ድማ ቃፊር ሕ/መ (ሞኒተሪንግ ግሩፕ) ኣረጋጊፅዎ‘ዩ” ኢሎም።

ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ‘ዚ ዞባ ንምህዋኽ ትሰርሕ ከምዘላ ጭብጥታት ኣረጋጊፆም‘ዮም ይብሉ ዶ/ር ተቀዳ።ኢትዮዽያ ነቲ ንካልኣይ ጊዜ ዝሓለፈ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንክትግበር ትሰርሕ ከምዘላ‘ውን ገሊፆም፥

ብዘይካ‘ዚ ”ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝሓለፈ ማዕቀብ ይኹን እቲ ቀዳማይ ክትግበር ኣለዎ።እዚ መዋእል‘ዚ ነቶም ማዕቀባት ንምትግባር ዝስራሓሉ ወቅቲ‘ዩ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣሰራርሓ ኣለዎ።ኮሚቴ ማዕቀብ ዝባሃል ኣሎ።እዚ ኮሚቴ‘ዚ ምስ ቃፊር ሕ/መ (ሞኒተሪንግ ግሩፕ) ተሓባቢሩ‘ዩ ዝሰርሕ። ኣብ‘ዚ ቅንያት‘ዚ፣ቃፊር ሕ/መ ናይ ርብዒ ጊዜ ፀብፃብ ከቅርብ‘ዩ።ንባህሪ ኤርትራን ኣተጋብራ‘ቲ ማዕቀብን ዝምልከት ሪፖርት ከቅርብ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ” ኢሎም።

ኮሚቴ ማዕቀብ ሕ/መ ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ዘቅረቦ ሪፖርት፣ኤርትራ ነቲ ኣዕናዊ ዝበሎ ተግባራት ከምዝቀፀለትሉ ሓቢሩ‘ዩ ኢሎም ዶ/ር ተቀዳ።
እቲ ኮሚቴ ተደጋጋሚ ሪፖርታት ከምዘውፅእ፣እንተኾነ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ሰፊሕ ሪፖርት ከምዘውፅእ‘ውን ጠቂሶም።እቲ ኣብ ቅድሚት ዝወፅእ ሪፖርት፣ትርር ዝበለ ከምዝኸውን ንፅበ ኢና ኢሎም ኣምባሳደር ተቀዳ።

ኣብ ክልል ዓፋር ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቱሪስታት ንመንግስቲ ኤርትራ ተሓታቲ ዝገበረ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ተወሳኺ ጭብጥታት ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከብ ገሊፁ‘ሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ማዕቀብን ጠንቃታቱን ተሓቲቶም ሪኢቶኦም ዝሃቡ ምንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ”እዚ ፍፃመ‘ዚ ከም‘ቲ ዊኪሊክስ ዝገለፆ፣ንፖለቲካዊ ሕሳባቱ የርባሓኒ‘ዩ ንዝብል ስልትታት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝፈፀሞ ግብረ-ሸበራዊ ቅትለትን ነታጒን ናይ ወያነ፣ሕጅ‘ውን ብተመሳሳሊ ወያነ ገይርዎ ድዩ ኣይገበሮን ጊዜ ዝምልሶ‘ዩ።ትዝዓበየ መልእኽቱ ግን፣እዚ ናይ ትማሊ ፍፃመ ኣይኮነን።ስለምንታይ ኢትዮዽያ ውሽጣ እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ?ጠንቁ ወያነ ዝኽተሎ ናይ ሓደ ንእሽተ ጉጅለ ዕብለላ’ዩ።ውሽጣዊ ስኒትን ርግኣትን ዘይብላ ኢትዮዽያ፣ሰላምን ድሕነትን ክህልዋ ዘይሕሰብ‘ዩ” ኢሎም።

ኣርዱፍ ዝተባሃለ ዕጡቅ ጉጅለ ዓፋር፣እቶም ዝተጨወዩ ክልተ ጀርመናውያንን ክልተ ኢትዮዽያውያንን ብሽምግልና ምፍታሕ ከምዝካኣል ከምዝገለፀ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG