ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሎሚ ቕነ ብዛዕባ ኤርትራ ትህቦ ዘላ መግለፂታት ኣቃልቦ ናይ ውሽጢ ተቃውሞ ንምጥምዛዝ'ዩ ትብል ኤርትራ


ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንክቕየር ኣበርቲዓ ንምስራሕ ፖሊሲኣ ምቕያራ ዝወሃብ ዘሎ መግለፂታት ኣቃልቦ ናይ ውሽጢ ተቃውሞ ንምጥምዛዙን ኣብ ልዕሊ ናይ ውሽጢ ተቃውሞ ንምጉዕባዕን ንዘሎ ፍሽለታት ንምኽዋልን'ዩ ክብሉ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ቃለመጠይቓት ሰበ-ሰልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሊሲ ካብ ምክልኻል ናብ ንጡፍ ስጉምቲ ከምዝተቐየረ ክገልፁ ቐንዮም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቅነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ፖሊሲ ኣውፂኡ ከምዘሎ'ዩ ዝዛረብ ዘሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኤርትራ ንሃገርና ስግአት ምኻና ቀፂላ ሳለዘላ ብዝሓየለ'ውን ተስግአና ስለዘላ ወይ ፖሊሲአ ትቀይር ወይከአ ነቲ ኣብ አስመራ ዘሎ መንግስቲ ንምእላይ ዲፕሎማስያዊ ፀጥታዊን ወታሃደራውን መንገዲ ክንጥቃም ኢና ኢሎም።

ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ብዛዕባ'ዚ ርኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንኽገልፁ ካብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዚ ኣቃልቦ ናይ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ንዝግንፍል ዘሎ ተቃውሞታት ንምዕባስ ዝወሃብ ዘሎ መግለፂታት'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG