ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

39 ሚእታዊ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ ኢትዮጵያ ናብ 15 ሚእታዊ ምውራዱ ኢህወደግ ኣፍሊጡ


39 ሚእታዊ ዝነበረ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ኢትዮጵያ ናብ 15 ሚእታዊ ወሪዱ’ሎ ክብል ገዛኢ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር /ኢህወደግ/ ኣፍሊጡ።

ብኣቦ መንበር እቲ ግንባር ብኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝተመርሐ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ምስ ዝተዛዘመ ዝወፀ መገልፂ እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሓደ ኣሃዝ ከምዝወርድ እውን ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ዝተፈጠረ ምኽባር ናብራ ንምቕራፍ ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ክገልፅ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃዕርታቱ ውፅኢት እናምፅኡ ምዃኖም ሓቢር’ሎ።

እቲ ኣኼባ ስዒቡ ዝወፀ መግለፂ እውን ነዚ እዩ ዘንፀባርቕ።ቅድም ኢሉ ካብዝነበረ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ብዝለዓለ መጠን ማለት እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ 15.6 ሚእታዊ ከምዝወረደ እቲ መግለፂ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣብዝዘርግሖ መገልፂ ኣፍሊጡ’ሎ።ኣብዝቕፅሉ ሒደት ኣዋርሕ እውን ናብ ሓደ ኣሃዝ ንምውራድ ዝተጀመረ ፃዕሪ ከምዝቕፅል ገሊፁ።ቕልጡፍ ናይ ኢኮኖሚ ዕብየት ይምዝገብ ከምዘሎ’ውን እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ብናይ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን መርሃ ግብሪ ዝተጀመሩ ህንፀታት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ይሳለጥ ከምዘሎ’ውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።
XS
SM
MD
LG