ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኩነታት ደሞክራሲን ናጽነት ፕረስን እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ-ብርሃኑ በርሀ


ምኽትል ኣቦመንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፡ ናይ ምእካብ ኮነ ናይ ምስላፍ መሰል ተደሪቱ`ዩ ይብሉ

ብሞያ ጠበቓ ሕጊ እዮም። ኣብ ዓረና ድማ ምኽትል። ብምኽንያት ኢህወድግ ስልጣን ዝሓዘሉ 20 ዓመት፡ ንጉዳይ ዲሞክራሲን ናጻ ፕረስን ከምኡ`ውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ብወገኖም ክግምግሙ ዝተሓተቱ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፡ ኢህወደግ ስልጣን ክሕዝ ከሎ ዝነበረ መጠነኛ ዲሞክራሲ ሎሚ የለን ኢሎም።

ካብ`ቲ ኣብ 1997 ዓ.ም.ኢ ዝተገብረ ምርጫ`ኳ እዚ ዳሕራዋይ ኣብ 2002 ዓ.ም.ኢ ዝተኻየደ ምርጫ ፡ ደሞክራሲ ጨሪሱ ዝጠፋኣሉን ዕብለላ ገዛኢ ፓርቲ ዝተጋህደሉን ኢዩ ኔሩ`ውን ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክመጽእ ኩሉ ዓቕሙ ክገብር ድማ እቶም በዓል-ስልጣን ዓረና ጸዊዖም።

ምስ ሚንያ ኣፈወርቂ ናይ ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ነዚ ዝስዕብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG