ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ ፅልዋ መንግስቲ ናፃ ክኸውን ተጋባእቲ ጸዊዖም


ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ዘዳለዎ ፈላማይ መድረኽ ዘተ ተሳተፍቲ ነቲ ኮሚሽንን ተልእኾኡን ዘለዎም ድጋፍ ብምግላፅ እንተኾነ እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ካብ ፅልዋን ጽግዕተኛነትን መንግስቲን ነብሱ ከግልል ጸዊዖም።

ኣብቲ ዘተ ካብ ዝተረኽቡ ዕዱማት እቲ ኮሚሽን ንዅሉ ብማዕረን ብዘይ ሻርነትን ክርኢን ንጉዳያት ክምርምርን’ውን ኣዘኻኺሮም። ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፡ እቲ ትካል ምስ መንግስቲ ይኹን ምስ ካልእ ኣካል ርክብ ከምዘይብሉ ገሊፆም፡ ተፀዋዕነቱ እውን ንፓርላማ እታ ሃገር ከምዝኾነን፣ ዕጡቓትን ዘይተዓጠቑን ኩሎም ኣካላት ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኽሳተፉ ይፅዕር ምህላዉ ሓቢሮም። እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዘለዉ ዕጡቓት ሕቶኦም ነቲ ኮሚሽን ከቕርቡ ከም ዝተሓተቱ እቶም ዋና ኮሚሽነር ተዛሪቦም። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ዝተጀመረ ዘተ ኣብ ሃገራት ወፃኢ እውን ከም ዝቕፅል ፕሮፌሰር መስፍን ወሲኾም ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG