ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምኒስት ብሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለታት ይጽብጽብ፡ ፈጸምቲ ናብ ሕጊ ክቕርቡ ይጽውዕ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምኒስት ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ብምዅናን ፈጸምቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን እቲ ሰብኣዊ ጥሕሰት ደው ክብልን ጸዊዑ።

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኣምኒስት፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳርን ካልእ በበይኑ ስፍራታትን ብሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ዝግበር ቅትለታት ኣብ ሲቪላውያን ዜጋታት ዘነጻጸረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሞት’ውን ንስድራቤት መወትቲ ሬሳ ከይቀብሩ ከም ዝኽልክል ይሕብር።

እቲ ተሓላቒ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰባ-ታሚት ዝተባህለ ስፍራ ንሓሙሽተ ካብኣቶም ሲቪላውያን ዜጋታት ምዃኖም ዝጠቐሶም ብድምር ሽዱሽተ ሰባት ምቕታሎም ሓቢሩ።

ዞባዊ ዳይረይክተር እቲ ትካል ኣብ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዝዀነ ቲገረ ቻጉታ ከም ዝጠቕሶ፡ ፈጸምቲ እቲ ቅትለት ዝዀነ ሕጋዊ ስጕምቲ ስለ ዘይተወስደሎም፡ እቲ ተርእዮ ኣሰካፊን ንዓለማዊ ውዕላት ዝጥሕስን’ዩ ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ተነቢሩ ዘሎ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋንን ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ከም ዘጸግም ዝገለጸ ኣምኒስት፡ ካብቶም ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝረኸቦ፡ ካብቶም ግዳያት እቲ ቅትለት ትሕቲ ዕድመ ከምዝርከብዎም ይሕብር።

ጸብጻብ ኣምኒስት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ሰባ-ታሚት ዝተራእየ ቅትለት፡ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ኣብ ማእከላት ሕክምና እናኸዱ’ውን ከም ዝፈጸሙዎ ሓቢሩ። ብመሰረት ዓለምለኸ ውዕላት ካብ ዒላማ ጎንጽታት ናጻ ክዀና ዝግበአን ትካላት ኣገልግሎት ጥዕና በቲ መጥቃዕቲ ግዳይ ምዃነን ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ኣምኒስት የዘኻኽር።

ድሕሪ መቕተልቲ ሲቪላውያን ዜጋታት፡ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ንሬሳ ኣብ ጽርግያ ሰጢሖም ንስድራቤት ምቕባር ከም ዝኸልከሉ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ ድማ እቶም ሬሳታት ንኣስታት ሸውዓት ሰዓታት ዝኸውን ኣብ ደገ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ካብቲ ቦታ ምስ ለገሱ ጥራይ ተቐላጢፎም ከልዕልዎምን ሓቢኦም ክቐብሩዎምን ምኽኣሎም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ነቲ ተሓላቒ ትካል ሓቢሮም።

ጸብጻብ ኣምኒስት፡ ድሕሪ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሰራዊት ፈደራል ነቲ ቦታ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ገዛ-ገዛ እናኣተዉ ነቶም ነበርቲ ኣጽዋሮም ከረክቡ ከም ዝሓተቱን ንዕጡቓት ፋኖ ዝድግፉ እንተዀይኖም ድማ እናፈራርሑ ከም ዘከላብቱዎምን ይሕብር።

ካብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ንመሰኻኽር ብምውካስ ጸብጻቡ ዘዳለወ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ቅዳሕ ርኽበቱ ንሚኒስትሪ ፍትሒን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ከም ዝሃቦም ይጠቅስ። እዚ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ናብቶኦም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተረከበ ጸብጻብ፡ ዛጊት ካብቶም ሚኒስትሪታት ግብረ-መልሲ ከም ዘይረኸበ ትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG