ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ዝሓለፈ ቅነ ዝተኸሰተ ተጓንፎ፣ ንርክብ ኢትዮዽያን ኣሜሪካን ኣይትንክፍን።እቲ ምዕባለ ረስኑ ኣብ ሓፂር እዋን ነክዩ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ገሊፆም።
ቅፅሪ ግቢ ኤምባሲ ማለት ሉኣላዊ ግዝኣት‘ታ ሃገር ማለት‘ዩ ዝብሉ ኣቶ ሙሉጌታ፣እቲ ኤምባሲ ማለት ኢትዮዽያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ማለት‘ዩ። ስለዚ ዘይድፈር መሰልን ክብርን ስለዘለዎ፣ዘይተፈቀደሉ ውልቀ ሰብ ናብ‘ቲ ኤምባሲ ኣትዩ ይትረፍ‘ዶ ረብሻን ህውከትን ክፈጥር፣ናብ‘ቲ ቅፅሪ ግቢ ክኣቱ‘ውን ኣይኽእልን።ብዘይፈቃድ እንተኣትዩ ማዕረ ገበን‘ዩ ዝራኣይ ኢሎም።
ኣብ‘ቲ ምስሕሓብ ማእከላይ ስፍራ ሒዙ ዝቀነየ ኩነታት ጥይት ዝተኮሰ ዲፕሎማት ኢትዮዽያ፣ንዘይምኽሳስ መሰሉ ክሳብ ዘይተላዓለ ኣሜሪካ ክትከሶ ኣይትኽእልን። ኣሜሪካ ክትገብሮ ትኽእል ካብ ግዝኣተይ ይውፀአለይ ጥራሕ‘ያ ክትብል ትኽእል።ሓንሳእ ካብ ግዝኣታ እንተወፂኡ ድማ፣እቲ ጉዳይ ተዓፅዩ ማለት‘ዩ። ጉዳይ‘ቶም ናብ‘ቲ ኤምባሲ ዝኣተው ተቃወምቲ ግና፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ክሲ ከትሕዝ‘የ እንተይሉ ክኽሰሱ ይኽእሉ‘ዮም ይብል።