ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነቲ ዝሓልፈ ሶኒ ኣብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ዘስዓበ "ረብሻ ዝፈጠሩ ብዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ሓሻኽር ሻዕብያ ዝግንሑን እዮም" ኢሎም ኣምባሳደር ግርማ ብሩ


 ኤምባሲ ኢትዮጵያ - ዋሽንግተን ዲ.ሲ
ኤምባሲ ኢትዮጵያ - ዋሽንግተን ዲ.ሲ

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትምሊ ሰኒ ረብሻ ዝፈጠሩ ብዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ብሓሻክር ሻዕብያ ዝግንሑን እዮም ክብሉ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ገሊፆም።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ግርማ ብሩ ምስ ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬት ፋና ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ነቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰኒ ብዛዕባ ዝኾነ ፍፃመ እንትገልፁ ከባቢ ፍርቂ ማዕልቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ዝኾኑ ሰባት ናብቲ ናይ ኤምባሲ ቆንስላ ክፍሊ ብምእታው ፀያፍ ቛንቛ ብምጥቃም ንኣምባዳር ክነዘራርብ ንደሊ ኢና ምባሎምን ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ንቶም ኣምባሳደ ምዝርራብ ዝክኣል ብፕሮግራም እዩ ከምዝበሉዎምን ይገልፁ።

ሽዑ ንሽዑ እናተፃረፉ ምስወፁ ንሕጋዊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንምውራድ ከምዝፈተኑን ሓላዊ ፀጥታን ካልኦት ሰራሕተኛታትን እቲ እምባሲ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝተኸላኸሉን ኣብሪሆም ኣምባሳደር ግርማ።

እቲ ኣጋጣሚ ኣብዝተፈጠረሉ እዋን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ደቓይቕ ሰራሕተኛታት ፀጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ተፀዊዖም ከምዝመፁን ነዚ ተግባር ንዝፈፀሙ ሰባት ንሓደ ስዓት ዝኣክል ሒዞም፣መንነቶም ኣፃሪዮም፣ኣድራሽኦም ተቐቢሎም ከምዝሰደድዎም ገሊፆም።

‘’እቶም ዝመፁ ሰባት ኣብዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ዝዳለው ሰልፍታት እናኸዱ ክሉሻዕ ኣብ ህውከት ዝሳተፉ፣ንስራሕ ናብ ኣሜሪካ ንዝመፁ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብተራን ዝወረደን ቃላት ዝፃረፉ ብዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ሓሻኽር ሻዕብያን ዝግንሑ እዮም’’ኢሎም።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ፍፃመ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ ቐረባ ብደረጃ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ልዝብ ኣዚዩ ውፅኢታዊ ስለዝነበረ፣እዚ ድማ ብኣፍ ተራ ሰብ ከይኮነስ ብመራሕቲ ደረጃ ዝተገለፀን ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ስለ ዝተቓልሐን ተስፋ ስለዝቐበፁ እዩ ኢሎም።

ሃፍቲ ኩሉ ኢትዮጵያዊያን ንዝኾነ ኤምባሲ ደፊሮምን ንውዕል ቪየና ጥሒሶምን ከምዚ ዝበለ ፅዩፍ ስራሕ ምፍፃሞም ትርጉም ዘይብሉ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ግርማ ብሩ።

እቲ ኤምባሲ ስሩዕ ስርሑ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም ኣምባሳደር ግርማ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ጥይት ተኲሱ ብዛዕባ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ፀጥታ እቲ ኤምባሲ ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ደሕንነት ዩናይትድ ስቴትስ /US Secret Service/ ብሪያን ሊሪ ብዝለኣኹዎ ኢሜይል ‘’ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ’’ን ‘’ካብቲ ኤምባሲ ኣይወፅእን’’ ኣብ ዝብል ናይ ቃላት ኣጠቓቕማ ኣፈላላይ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ፅሕፈት ብእንሰርሕ ዝተውሃበ ዝተቓረነ ኣገላልፃ ካብ ቅንዕና ዝተፈጥረ ጌጋ ኣተረጓጕማ ስለዝኾነ ሓላፈነት ባዕለይ ክወስድ እየ’’ ኢሎም ሊሪ።ሰራሕተኛ ፀጥታ እቲ ኤምባሲ ብግዚያዊነት ኣብ ውሽጢ እቲ ኤምባሲ ተታሒዙ እምበር ኣይተኣሰረን።

እቲ ጉዳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምሉእ ብምሉእ ብናይ ዋሽንግተን ዲሲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዝተትሓዘ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG