ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማታት ኢትዮጵያ ምቁርራፅ ሓይሊ ዘጋጥመን ዘሎ ብዋሕዲ ሓይሊ ኣይኮነን ይብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖረሽን ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ


Ethiopia map
Ethiopia map

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:54 0:00
መራገፊ



ኢትዮጵያ ሓይሊ መብራህቲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ምሻጥ ኣብ እትርከበሉን ንምሻጥ ኣብ እትዳለወሉን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ የጋጥመን ዘሎ ምቁርራፅ ናይ ሓይሊ ዋሕዲ ስለዘሎ ኣይኮነን ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖረሽን ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ምህረት ደበበ ገሊፆም።

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ብዝተትሓዘሉ መደብ እናሳለጠ ከምዝኾነን ቀንዲ ዝብሃሉ ናይቲ ግድብን ምስቲ ግድብ ዝተኣሳሰሩ ናይ ሓይሊ ማይ መመንጨዊ ገዛን ከምኡ’ውን ኣዚዮም ዓብይቲ ዝኾኑ ኳዕትታት ተዛዚሞም ቀፃሊ ደረጃ እቲ ስራሕ ናብ ምጅማር ከምዝተኣተወን ዋና ፈፃሚ ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ምህረት ደበበ ይገልፁ።

ስራሕ እቲ ግድብ ተፈፂሙ’ሎ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ኣቶ ምህረት ደበበ። ኣብዚ ዘለናዮ ናብ ከባቢ 20 ሚእታዊ ስራሕ እቲ ግድብ ተዛዚሙ’ሎ ኢሎም።

ቅድም ክብል መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሰፊሕ ሓሲብሉ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፍልፍል ገንዘብ ይኹን ዕንቅፋት እንከየጋጠሞ እቲ ስራሕ እናተሳለጠ ይርከብ ኢሎም።

ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ ዋሕዚ ናይል ዘለዎ ተፅዕኖ ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ፣ግብፂ፣ሱዳንን ካልኦት ገለልተኛ ሃገራትን ዝተዋፅኡ ክኢላታት ውፅኢት መፅናዕቶም ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት ዕላዊ ክኸውን እዩ።

እቲ ዝበዝሕ ስራሕ ዛዚሞም ከምዘለውን ንቶም ዝምልከቶም ሰብዋና ኣካላት ከምዘረክቡን እንተኾነ ሓድሽ ዝብሃል ኣብ ኩለን ሃገራት ዘይፍልጠን ዝብሃል ጉዳይ ከምዘየምፅኡን ኣቶ ምህረት ደበበ ይገልፁ።

‘’እቲ ዓለምለኸ ክኢላታት ጉጅለ እቲ ፕሮጀክት ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ክብል የብሉን ኢሉ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሉን።’’

ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ባንኪ ዓለምን ባንኪ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ንመዘርግሑ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ 1.26 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ፈቒዱ ኣብ ቀረባ እውን ኮንትራት ክፍረምን ከይዲ ህንፀት ክጅመርን ኣብ ናይ መወዳእታ ምድላው ኢና ንርከብ ኢሎም ኣቶ ምህረት ደበበ።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ናይ ኢትዮጵያ ከተማታት ዝለዓለ ፀገም ሓይሊ መብራህቲ እናጋጠመንን ብታራ እናጠቐማን ኣብዝርከባሉ ናብ ጁብቲ ምሽጣ ምጅማርን ናብ ካልኦት ሃገራት ንምሻጥ ምትላምን እቲ ፀገም ብዝተፈላለዩ ውሽጣውን ደጋውን ምዃኑን ንጁብቲ ስለዘይተሸጠን እዩ ኢሎም።

እቲ ዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት እናተገበሩ እዮም ኢሎም።

ናይ ኢትዮያ ከተማታት ብታራ ሓይሊ መብራህቲ ይረኽባ ኣብዘለዋሉ እዋን ናብ ጁብቲ እትሸጥዎኸ ብታራ ዲዩ ተባሂሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖረሽን ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ምህረት ደበበ።

ኮርፖረሽኖም ኣብ ዝሓዞ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ልምዓትን ትራንስፎርመሽንን መደብ ካብ ግድብ ህዳሴ፣ካብ ጊቤ ሰለስተን ናይ ገናሌን ናይ ንፋስ ፕሮጀክትታትን ሓዊሱ 10ሽሕ ሜጋ ዋት ናይ ምምንጫው ትልሙ ከምዘዐውት ገሊፆም ኣቶ ምህረት።
XS
SM
MD
LG