ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ንመናሓንሕቱ ኮይኖም ዘለው ፕሮፈሰር ዝፈጠሮ ሓያል መልሰ ግብሪ


ዶ/ር መራራ ንፓርቲ ቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊ ሓያል ንሕንሕ ፈጢሮምሉ‘ለው

መራራ ጉዲና፣ሓደ ካብ‘ቶም ውሩያት ፖለቲከኛታት ኢትዮዽያ‘ዮም።ዝተኸብሩ ፀሓፊ፣ፕሮፈሰር፣ኣባል ቤት ምኽሪን መስራታይ መድረኽን ዝኾኑ ንሶም፣ኣብ‘ቲ ናይ ሰንበት መረፃ ንፓርቲ ቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊ ሓያል ንሕንሕ ፈጢሮምሉ‘ለው።ኣቀባሊና ፒተር ሃይንለይ፣ናብ ዓዲ መራራ ዝኾነት ኣምቦ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ገዛኢ ፓርቲ ንመናሓንሕቱ ኮይኖም ዘለው ፕሮፈሰር ዝፈጠሮ ሓያል መልሰ ግብሪ ውድድር ኣጉሊሁ‘ሎ።በትረ ስልጣን ከቅርቦ‘ዩ።

ዶ/ር መራራ ጉዲና ሰጋእ ዘይብሉ ወፋራይ‘ዮም።ኣብ መላእ ኦሮምያ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ፣መረፃ ኣባላት ፓርላማ ሰንበት ቅድሚ ምክያዱ፣ቀዳማይ ምንስቲር መለስ ዜናዊ ንውፅኢት እቲ ድምፂ ሰሪቆሞ‘ለው ኢሎም ብዕሊ ይኸሱዎም።ዶ/ር መራራ፣ንኣቶ መለስ ምስ‘ቶም ዕሉላት መለኽቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ እውን የመሳስልዎም።

ሃንቀውታ መለስ፣ንዝኾነ መንገዲ ተጠቂምካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ‘ዩ ዝብል እንተኾይኑ፣ከም‘ቲ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ያን በደል፣ናይ ኡጋንዳ ኢድ-ኣሚን፣ናይ ኢትዮዽያ መንግስቱ ሃ/ማርያም ዝገበርዎ ማለት‘ዩ፣ነቲ ፀወታ ክቅፅለሉን ነዛ ሃገር ምስኡ ሓቢራ ቁልቁል ከውርዳን ይኽእል‘ዩ።ህዝባዊ ድጋፍ ከይረኸብካ ኣብ መረፃ ምዕዋት፣ንህዝቢ ኣታሊልካ ኣብ መረፃ ምዕዋት ዝብልዎ ፀወታ ኣብ ኣፍሪቃ ክተርፍ ኣለዎ በሉ ዶ/ር መራራ።

ዶ/ር መራራ ጉድና ኣስዒቦም፣ሓደ ኣባል መድረክ፣ብኦህዴው ተቀቲሉ ድሕሪ ምባሎም ሓያል ተቃውሞ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ኣጓኒፉዎም‘ዩ።መንግስታዊ ቃል-ኣቀባሊ፣ንዶ/ር መራራ ሓሳዊ ክብልዎም ከለው፣እቲ ተቀቲሉ ዝተባሃለ ውልቀ-ሰብ ካንሰር ዝነበሮን ኣባል ገዛኢ ፓርቲን ምኻኑን ገሊፆም‘ዮም።

እቲ ምስሕሓብ ምስተፈጥረ ድሕሪ መዓልታት ሪኢቶ ዝሃቡ ምንስቲር ኮምንኬሽን ኣቶ በረከት ስምኦን፣እቶም ንፖሊስ ዝቀተሉን መለለዪ ኣባልነት መድረክ ዝሓዙን 3 ሰባት ከምዝተታሑዙን፣ምስ ዶ/ር መራራ ከምዝራኸቡን ኣፋፍኖት ሂቦም ነይሮም።

ንሳቶም ከምዝበልዎ፣ኢሎም ኣቶ በረከት፣ተሓጋጋዚ ዶ/ር መራራ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ፣ነቲ ስጉምቲ ንክወስዱ ከምዝኣዘዞምን፣እንተተታሒዞም ዶ/ር መራራ ከፍተሐኩም‘ዩ ዝብል መረጋገፂ ከምዝሃቦምን ገሊፆም‘ዮም ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሰበ-ስልጣን መድረክ፣ዶ/ር መራራን ካልኦት ብግልፂ ዝተዛረቡ መራሕቲ ተቃወምቲን፣ድሕሪ‘ቲ መረፃ ክእሰሩ‘ዮም ዝብል ሻቅሎት ሓዲርዎም‘ሎ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ እዋን መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊ፣ኣብ እዋን ወፍሪ፣ንሕጊ መረፃ ዝጣሓሰ ውልቀ-ሰብ ክኽሰስ‘ዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ቀዳማይ ምንስቲር መለስ፣ሰላማዊ መስርሕ መረፃ ምእንታን ክህልወና ኢልና፣ሪኢና ከምዘይራኣና ኮይና ክንሓልፍ መሪፅና‘ለና።ኣድላዪ እንተኾይኑ ግና፣እቲ መረፃ ምስ ተዛዘመ ንድሕሪት ተመሊስና፣እቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምረፁኒ ዝተፈፀመ ገበን ንክፃረ ክንውስን ንኽእል ኢና።ተስፋይ፣እዚ ኣባሃህላይ እዚ፣ንካልኦት ኣየርዕድን ይኸውን ዝብል ነበረ ዝሃብዎ ቃል።

ዶ/ር መራራ ጉዲና፣ቅድሚ 5 ዓመታት ኣብ ዝተሳለጠ መረፃ ኣብ ኣምቦ ብቀሊሉ ነበረ ዝተዓወቱ።ሎሚ ግና፣ዳርጋ ጋሻ ኮይነ’ለኹ ይብሉ።

ከባቢያዊ ምምሕዳር ኣምቦ ኣብ ትሕቲ ፅኑዕ ቁፅፅር ገዛኢ ፓርቲ ኮይኑ ከምዘሎን፣ኣንፃር ዶ/ር መራራ ሓያል ንሕንሕ ይራኣየሉን‘ሎ።ኣቶ ዮሃንስ ምትኩ፣ተወላዳይ ኣምቦ፣ኣማሓዳሪ‘ቲ ከባቢን ኣባል ፓርላማን‘ዩ።ንሱ ዛጊድ ዘመዝገቦም ኣዎንታታት፣ንዓወቱ ዕርቡን‘ዮም ባሃላይ‘ውን‘ዩ።

ሳላ ዘለና ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ሳላ‘ቲ ዘመዝገብናዮ ልምዓታዊ ንጥፈታት- ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፣ንዶ/ር መራራ ጉድና ክስዕሮ‘የ በለ ኣቶ ዮሃንስ።

ሰልፊ ዶ/ር መራራ ጉድና፣ንትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኦምን ተገደስቲ መናእሰይ‘ዩ ማሪኹ ዘሎ።ኣብ‘ቲ ንተቃወምቲ እንተደጊፍካ፣ስራሕካ ክትስእን ኢኻ፣እኽሊ ኣይዕደለካን ድኹዒ‘ውን ኣይትረክብን ዝብል ኣተሓሳስባ ዝማዕበለሉ ሕ/ሰብ፣ዓበይቲ ብግልፂ ንተቃወምቲ ክድግፉ ኣይኽእሉን ይብሉ ዶ/ር መራራ።

ንስክፍታታት ዶ/ር መራራ ከረጋግፁ ዝደለዩ ዝመስሉ ሓይልታት ፀጥታ፣ ፖሊስን ስለላን፣ኣብ ደገ ኮይኖም ብሞባይል ቴሌፎን ይእስሉ፣ንጋዜጠኛታት መለለዪ መንነት እናሓተቱን ይራኣዩ።

ወፍሪ መረፃ ቀፂሎም ዘለው ዶ/ር መራራ ጉድና ግና፣ሰንበት ዋላ‘ውን ስዕረት እንተጋጠመ፣ንመፃኢት ኢትዮዽያ ግና ዓወት ማለት ከምዝኾነ ንደገፍቶም ገለፁሎም፥

እዘን ዝሓለፋ 2 - 3 መዓልታት ተስፋ ሂበናና‘የን ሓሊፈን።ኣነ ሰንበት እንታይ‘ዩ ከጋጥመኒ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ኣይኮነን።ንመፃኢ ተስፋ‘ዛ ሃገር‘ዚኣ ግና ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣበርክቶ ገይረ‘ለኹ።መለስ ንዝቅፅሉ ፳፭ ዓመታት ክመርሓና ድዩ? ሚልዮናት መናእሰይ ህይወቶም ንክቅይሩ ተበጊሶም‘ዮም። ኣብ‘ዚ ለውጢ‘ዚ ኣበርክቶ ኣለኒ‘ዩ ኢሎም እቶም ዶ/ር።

ውፅኢት ሰንበት ዝሳለጥ መረፃ እንታይ ከምዝኸውን ሓባሪ ኣሰር የለን‘ዩ። ክልቲኦም ወገን ግና፣ኣብ ናፃ መረፃ፣ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል ገምጋም ኣለዎም።ከይዲ ምድማፅ ኣብ ኢትዮዽያ ሰንበት ንጉሆ ኣብ 43 ሽሕ ነቁጣታት መረፃ ጀሚሩ ምሸት ክዛዘም‘ዩ።ካብ ትፅቢት ወፃኢ ፀገም እንተዘይተፈጢሩ፣ውፅኢት መረፃ ሶኒ ክፍለጥ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለዎም ሓለፍቲ ቦርድ መረፃ ኢትዮዽያ።

XS
SM
MD
LG