ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ 2007 ዓ/ምን ምስሕሓብን ይቅፅል'ሎ!


Ethiopia
Ethiopia

ናይ ሎም-ዘበን ሃገራዊ መረፅ ኢትዮጵያ ዕውትን ካብ’ቶም ሕሉፋት መስራሓት ዝበለፀን ኮይኑ ንክዛዘም ኣበርቲዑ ይዓዪይ ከምዘሎ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዛጊድ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ምልክት መወዳደሪ ተቀቢሎም፡ኣብ 547 ነቑጣታት መረፃ ኣብያተ-ፅሕፈት ተከፊቶም ስርሖም ጀሚሮም፡ምርጫ ተዓዘብቲ’ውን ተዛዚሙ ይብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት’ቲ ቦርድ ኣቶ ነጋ ዱፌራ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ሎሚ ዓርቢ መግለፂ ዝሃቡ መራሕቲ ‘መድረክ’ “ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ቲ ናይ ሎም-ዘበን ምርጫ ኣይዕዘብን ኣይበለን’ ኢሎም። "መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓዲሙዎ ብገንዘብን ካልእን ምኽንያት ኣይንኽእልን ዝብል መልሲ ከምዘይሃበ ኣነ ባዕለይ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ብዝረኸብኩዎ እዩ ግልፂ ኮይኑለይ" ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቅድሚ ሰሙናት ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ "ሕብረት ኣውሮፓ ብምኽንያት ሕፅረት በጀት ክዕዘብ ከምዘይኽእል" ገሊፆም ነይሮም።

ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው”መድረክ ንሰነድ ስነ-ምግባር ምርጫ ንክፍርም ካብ ዝውስን ሓደ ዓመትን ፈረቃን ኮይኑ’ሎ።ኢህወዴግ ግን እቲ ኣጀንዳ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ ኣቅሪበ ክውስን’የ ኢሉ መልሲ ክሳብ ሎሚ ኣይሃበናን ዘሎ ንፅበ ኣለና” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG