ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳማዕበለ'ዩ መፂኡ ይብሉ ወኪል ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ


ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝሃቦ ገምጋም ነንርእሱ ዝጋራጮ ምኻኑ'ውን ሓቢሮም

ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ጉድለት ኣልቦ'ዩ ነይሩ ንምባል ኣይካኣልን ዝብሉ ኣቶ ኣዲስ ገ/ሄር ከም መጠን መስርሕ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጠናኸረ ይመፅእ ዘሎ ምኻኑ ግን ዘይካሓድ ምኻኑ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ከይዲ ምርጫ ኣመልኪቱ ዝፃሓፎ ሪፖርት ሃገራዊ ምርጫ ነቲ መስርሕ ብብቕዓት ፈፂሙ ኢሉ ከብቅዕ ተመሊሱ እቲ መወዳደሪ ሜይዳ ንገዛኢ ፓርቲ ዝረብሕ ነይሩ ምባሉ እቲ ሪፖርት ነኒባዕሉ ዝጋራጮ ገይሩዎ ኢሎም ኣቶ ኣዲስ።

ኣቶ ኣዲስ ገ/ሄር ምክትል ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ'ዮም።ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ሚድያን እውን ሪኢቶኦም ሂቦምና ኣለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG