ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሚያዝያ ምርጫ ኣብ ኢትዮዽያ ናፃ ንክኸውን ተቃወምቲ ሓቲቶም


Ethiopia
Ethiopia
ዝመፅእ ሚያዝያ ኣብ ኢትዮዽያ ዝሳለጥ ምርጫ፣ናፃን ርትዓውን ክኸውን ዝፅውዕ ሰነድ፣ብ፴፬ ተቃወምቲ ውድባት‘ታ ሃገር ተፈሪሙ።

ተቃወምቲ ነቲ ዝፈረሙሉ ሰነድ ናብ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ዝላኣኹ፣ገዛኢ ፓርቲ ነቲ ምርጫ ኣብ ረብሕኡ ከውዕሎ‘ዩ ዝብል ስግኣት ስለዝሓደሮም‘ዩ።

ኢትዮዽያ ድሕሪ ፭ ኣዋርሕ ከባቢያውን ምርጫ ክተካይድ ተቀሪባ‘ላ።

ተቃወምቲ ፓርቲታት፣ብዛዕባ‘ቲ ምርጫ ንክማኸሩሉ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ተዓዲሞም ነይሮም።እንተኾነ ኣብ ሕሉፍ ምርጫ ንዝተራኣዩ ሕድገታት ንምዝርራብ ምስ ሓተቱ፣እቲ ኣኼባ ተኾሊፉ።

ካብ ህዝብታት ጌዶ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣሌሳ መንገሻ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኢትዮዽያ ብርክት ዝበሉ ምርጫታት ኣተኣናጊዳ‘ያ።እንተኾነ ኩሎም ጉድለት ዝተኸሰተሎም ኮይኖም‘ዮም ሓሊፎም ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ኣብ‘ታ ሃገር ካብ ዝንቀሳቀሱ ፸፭ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ እቶም ፴፬ እቲ ናይ ሚያዝያ ምርጫ ናፃን ርትዓውን ክኾን ይፅውዑ።

እቲ ሰነድ፣ቦርድ ምርጫ ምሕዩሽ መስርሕ ዘተኣናግደሉ ፲፰ ኣገባብ ሒዙ‘ሎ።ካብ ሞንጎ‘ቶም ነጥብታት ገሊኦም፣ተቃወምቲ ኣብ ምሕደራ ከይዲ‘ቲ ምርጫ ክሳተፉ ከምኡውን ማዕረ ኣጠቃቅማ መንግስታዊ ሚድያ ይርከቦም።

ካብ ፓርቲ ኣንድነት ኣቶ ኣስራት ጣሴ፣

”ሓደ ሕፁይ ናይ ባዕሉ ተዓዛቢ ክህልዎ ይግባእ።እንታይ‘ዩ ዝግበር ዘሎ? ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲሞም፣መን‘ዩ ተዓዛቢኹም? ይብሉ።ድሕሪኡ መንግስቲ እናሳዓበ የፈራርሖም።ገሊኦም ይእሰሩ፣ገሊኦም ካብ ከባቢኦም ይባረሩ።ስለዚ መንነት ተዓዘብቲና ኣይንግለፅ ኢና ንብል ዘለና“ይብሉ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮዽያ፣ንሕቶ ተቃወምቲ ፓርቲታት ተቀቢለ‘ለኹ። ምላሽ ንምሃብ ግና ተወሳኺ ጊዜ ኣድልዩና‘ሎ ኢሉ‘ሎ።

ተዓዘብቲ ሕብረት ኣውሮዻ፣እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተሳለጠ ምርጫ፣ ንዓለም-ለኸ መዐቀኒ ዘማልእ ኣይኮነን ከምዝበለ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG