ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

6,050 ሕፁያት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ተመዝጊቦም


ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝለዓለ ብዙሓት ሕፁያት ምምዝጋቦም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ገሊፁ።ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ቀፂሉ ብዙሓት ሕፁያት ዘቕረበ ፓርቲ ኮይኑ’ሎ።

ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ነጋ ዱፊሳ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ትማሊ ዝተዛዘመ ምዝገባ ሕፁያት ክሳብ ሎሚ ካብዝተኻየዱ ምርጫታት እቲ ዝለዓለ ኮይኑ’ሎ ኢሎም።1884 ሕፁያት ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ፣4166 ሕፁያት ድማ ንኣብያተ ምኽሪ ክልላት ምምዝጋቦም ኣቶ ነጋ ሓቢሮም።

‘’ቅድሚ ሎሚ ኣብዝነብሩ ምርጫታት ዝዓበየ በዝሒ ሕፁያት ዝተመስገብሉ ኣብ 2002 ዓ/ም እዩ ነይሩ።2,200 ሕፁያት ተመዝጊቦ ነይሮም።ኣብዚ ናይ ሎሚ ግን 6,050 ሕፁያት ተመዝጊቦም ኣለው።ኣብ ናይ ሃገርና ናይ መረፃ ታሪኽ ኣዚዩ ብዙሓት ሕፁያት ዝተመዝገብሉ ምርጫ እዩ’’ኢሎም።

57 ፖለቲካዊ ፓርትታት ሕፁያቶም ኣመዝጊቦም ኣለው።ካብ ኢህወዴግ ቀፂሉ ብዙሓት ሕፁያት ዘቕረበ መደረኽ እዩ ኢሎም ኣቶ ነጋ።

XS
SM
MD
LG