ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ምዝገባ ሕፁያት ተወዳደርቲ ምርጫ ተዛዚሙ


Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo

ምዝገባ ሕፁያት ተወዳደርቲ ምርጫ ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ረቡዕ ተዛዚሙ።መድረኽ ናብ ምርጫ ዝኣቲ ዘሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ተኣማሚኑ እምበር ናይ ምርጫ ባይታ ስለዝተመዓራረየ ኣይኮነን ኢሎም ሓደ ኣባል ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ።ሓድ ሓደ ፓርትታት ኣብ እዋን ምዝገባ ዘጋጥምዎም ሽግራት መፍትሒ ከምዝረኸቡ ገሊፆም ኣለው።

ንወከልቲ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን ንኣብያተ ምኽሪ ክልላትን ዝወዳደሩ ሕፁያት ክካየድ ዝቐነየ ምዝገባ ሎማዕንቲ ረቡዕ ተዛዚሙ’ሎ።

ዓረና ትግራይ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ፓርትታት ናይ ዝሓቖፈ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ግንባር መድረኽ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን ዶ/ር መረራ ጉዲና ናይ ምርጫ ባይታ ሎሚ እውን ከምዘይተመዓራረየን መድረኽ ቅድሚ ሒደት ዓመት ዘቕረቦም ሕቶታት ሎሚ እውን ከምዘይተመልሱ ገሊፆም።

‘’እቲ ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ንክኸውን ዝሓተትናዮም ሕቶታት ኣይተመለሱን’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ኣብ ምርጫ ንሳተፍ ዘለና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ብምሕዳርን ምርጫ ሓደ ናይ ቓልሲ ኣገባብ ገይርና ካብ ምውሳድን ወፃኢ ናይ ምርጫ ባይታ ኣይተመዓራረየን፤ገዛኢ ፓርቲ ኣይደራደርን ዝብል ነቓፅ መርገፂኡ ኣብ ዝቐፀለሉ ሃዋህው ኢና ናብ ምርጫ ንኣቲ ዘለና’’ኢሎም።

መድረኽ ሕፁያቱ ንምምዝጋብ ብዙሓት ፈተናታት ከምዘጋጠሞ ዝሓበሩ ዶ/ር መራራ ክሳብ ሎማዕንቲ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ዝወዳደሩ ኣስታት 400 ሕፁያት ከምዘመዝገበ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሕፁያት ዝተፈላለዩ በደላት ከምዝተፈፀሙ ብምግላፅ ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዞባ ቦረና መልካሶዳ ኣብዝተብሃለ ቦታ 57 ተወዳደርቲ ቀሪቦም ናይቲ ከባቢ ቤት ፅሕፈት ምርጫ ኣይንምዝግበኩም ስለዝበሎም ናብ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ምርጫ ጥርዓን ቐሪቡ፣በቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ነዚ ብምርግጋ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ንኽረጋገፅ ናብ ፖሊስ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ከምኡ እውን ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናብ ዝለዓሉ ኣካላት ዝተልኣኸን ቅዳሕ ኣብ ኢዶም ከምዝርከብ ዘርዚሮም።

ዋና ፅሓፊን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣቶ ነጋ ዱፌሳ እቲ ቦርድ ነቲ ጉዳይ ንምፅራይ እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ ሕዚ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ፓርቲ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ ውሽጦም ብዘጋጠመ ቅልውላው ንምርጫ ምሉእ ጠመተ ከይሃቡ ስለዝፀንሑ ሕፁያቶም ዘመዝግብሉ እኹል ግዜ ክረኽቡ ምእንታን ናይ መመዝገቢ ዕለት ከናውሐሎም ንቦርድ ምርጫ ሓቲቶም ኣለው።ቦርድ ምርጫ ክሳብ ሎማዕንቲ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ሓድሽ ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ዴሞክራስን ኣቶ ትእግስቱ ኣወሉ ኣብ ውሽጢ ፓርቶም ዝተፈጠረ ሽግር ውሱን ፅዕነቶ እንተሕደረ እውን ክሳብ ሎማዕንቲ ኣስታት 200 ሕፁያት ምምዝጋቦም ሓቢሮም።ኣብ እዋን ምዝገባ ዝተፈጥሩ ሽግራት እውን ምስ ኣፈፀምቲ ምርጫ ብምዝርራብ ከምዝተፈትሑ ሓቢሮም።

ምኽትል ኣቦ መንበር ሰማፓዊ ፓርቲ ኣቶ ስለሺ ፈይሳ ብወገኖም ፓርቶም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ 400 ሕፁያት ንምውድዳር ተሊሙ ክሳብ ሎማዕንቲ ናብ 345 ሕፁያት ከምዘመዝገበ ሓቢሮም።ንኣብያተ ምኽሪ ክልላት ድማ ኣስታት 700 ሕፁያት ተመዝጊቦም ኣለው ብመሰረት እቶም ምኽትል ኣቦ መንበር።

መብዛሕቲኦም ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣብ ምዝገባ መረፅትን ሕፁያት ተወዳደርትን ፀገማት ከምዘለው እንተተዛረቡ እውን መረፅቲ ብበዝሒ ወፂኦም ናይ ምርጫ ካርዲ ክውሰዱ ምሕፅንታ የቕርቡ ኣለው።ቦርድ ምርጫ እውን ህዝቢ ካርዲ ብምውሳድ ናይ ዜግነት መሰሉ ከኽብር ብተኸታትታሊ ይፅውዕ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG