ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናትት ሽግሮም ንኸፍትሑ ንኽልተ ፓርትታት ኣዚዙ


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ መኢኣድን ውድብ ሓድነት ንዴሞክራስን ንፍትሕን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ተኸፋፊሎም ዝበሎም ኣባላት ኣመራርሓ ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ሽግሮም ብሓፈሻዊ ጉባኤ ኣውሲኖም ነቲ ቦርድ ሪፖርት ክገብሩ ትእዛዝ ሂቡ።ንሰማያዎ ፓርቲ ድማ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡሎ።እቶም ፓርትታት ነቲ መጠንቀቕታ ነፂጎምዎ ኣለው።

ኣቦ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መርጋ በቃና ቦርድ ምርጫ ሎማዕንቲ 5 ጥሪ ኣብዘከየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ እተን ፓርትታት ሽግር ናይተን ፓርትታት ኣመራርሓ ዝፈጠርዎ እዩ ኢሎም። ብምስዓብ’’ ናይተን ፓርትታት ህልውና እውን ክቕፅል ስለዘለዎ ብድሕሪ እተን ፓርትታት ዘሎ ህዝቢ ብምርኣይ ሎሚ እውን ብትዕግስቲ ንናይ መወዳእታ ግዜ ናይ ኽልተ ሰሙን ሂቡሎ’’ኢሎም።ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ሰሙን እቶም ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ዝኣተዎ ሽግር ሪኦም ብሓባር ብምኳን ናይ ውሽጢ ፀገሞም ብሓፈሻዊ ጉባኤኦም ብምውሳን ናይቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሳነ ነቲ ቦርድ ብምቕራብ ናብ ምንቅስቓስ ምርጫ ክኣትው እቲ ቦርድ ኣዚዙሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክልቲኦም ፓርትታት ኣካይድናዮ ኣብዝበልዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ቦርድ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ መንጉኦም ዝተፈጥረ ኣፈላላያት ተኸኣኢሎም ብሓባር ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘይምፅውዖም ምዃኑ እውን እቶም ኣቦመንበር ገሊፆም።

ንሰማያዊ ፓርቲ ብዝምልከት እውን እቲ ቦርድ እቲ ፓርቲ ጥሒሱዎ ዝበሎ ሕጊ ናይ ስነምግባር ጉድለታት ብምዝርዛር ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡሎ።

ንከይድታት ነፃን ፍትሓዊ ምርጫ ዝጎድእን ንመስርሕ ምርጫ ካብቲ ርትዓዊ ኣካይዳ ዘውፅእ፣ኣብቲ መስርሕ ድማ ኣመኔታ ከስእን ዝገብር ተግባር ስለዝኾነ ነቲ ፓርቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡሎ ኢሎም ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ መርጋ በቃና።ኣብ ዝቕፅል እውን ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ዘይዕቀብ እንተኾይኑ ንምጥሓስ ስነ ምግባር ዝምጥን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል እቲ ቦርድ የፍልጥ ኢሎም ብምውሳኽ።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ሓድነት ኣቶ ግርማ ሰይፉ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መልሲ ፓርቲ ሓድንት ብመሰረት ሕገ ደንቡ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ፀዊዑ እዩ።ካብዚ ወፃኢ ቦርድ ምርጫ ብሓባር ጉባኤ ፀውዑ ክብል ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሎም።

ዝተኸፋፈለ ኣካል ኣመራርሓ የለን ዝኾረዩ 1015 ሰባት እንተሃሊዮም ኣባላት ኣመራርሓ ኣይኮኑን፣እንተኾን ግን ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዓዲምናዮም ኢና ኢሎም ኣቶ ግርማ ሰይፉ።ንሓድነት ካብቲ ፀዋታ ወፃኢ ናይ ምግባር ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኢሎም።

ነቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ሓድሽ ነገር ዘይኮነ ትፅቢት ዝግበር መሰረት ዘይብሉ ኽሲ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ንገብሮ ዝነበርና ልዕልነት ሕጊ ብዝሓለወ መልክዑ ኢና ክንቀሳቐስካብ ኣካይዳና ንድሕሪት ዝመልሰና ወይ ዝቕይረና የለን ኢሎም።

ምርጫ 2007 ዓ/ም እናቐረበ እዩ።እቲ ምስሕሕባ እውን ቀፂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG