ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ መኢኣድን ውድብ ሓድነት ንዴሞክራስን ንፍትሕን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ተኸፋፊሎም ዝበሎም ኣባላት ኣመራርሓ ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ሽግሮም ብሓፈሻዊ ጉባኤ ኣውሲኖም ነቲ ቦርድ ሪፖርት ክገብሩ ትእዛዝ ሂቡ።ንሰማያዎ ፓርቲ ድማ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ’ሎ።እቶም ፓርትታት ነቲ መጠንቀቕታ ነፂጎምዎ ኣለው።
ኣቦ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መርጋ በቃና ቦርድ ምርጫ ሎማዕንቲ 5 ጥሪ ኣብዘከየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ እተን ፓርትታት ሽግር ናይተን ፓርትታት ኣመራርሓ ዝፈጠርዎ እዩ ኢሎም። ብምስዓብ’’ ናይተን ፓርትታት ህልውና እውን ክቕፅል ስለዘለዎ ብድሕሪ እተን ፓርትታት ዘሎ ህዝቢ ብምርኣይ ሎሚ እውን ብትዕግስቲ ንናይ መወዳእታ ግዜ ናይ ኽልተ ሰሙን ሂቡ’ሎ’’ኢሎም።ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ሰሙን እቶም ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ዝኣተዎ ሽግር ሪኦም ብሓባር ብምኳን ናይ ውሽጢ ፀገሞም ብሓፈሻዊ ጉባኤኦም ብምውሳን ናይቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሳነ ነቲ ቦርድ ብምቕራብ ናብ ምንቅስቓስ ምርጫ ክኣትው እቲ ቦርድ ኣዚዙ’ሎ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክልቲኦም ፓርትታት ኣካይድናዮ ኣብዝበልዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ቦርድ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ መንጉኦም ዝተፈጥረ ኣፈላላያት ተኸኣኢሎም ብሓባር ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘይምፅውዖም ምዃኑ እውን እቶም ኣቦመንበር ገሊፆም።
ንሰማያዊ ፓርቲ ብዝምልከት እውን እቲ ቦርድ እቲ ፓርቲ ጥሒሱዎ ዝበሎ ሕጊ ናይ ስነምግባር ጉድለታት ብምዝርዛር ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ’ሎ።
ንከይድታት ነፃን ፍትሓዊ ምርጫ ዝጎድእን ንመስርሕ ምርጫ ካብቲ ርትዓዊ ኣካይዳ ዘውፅእ፣ኣብቲ መስርሕ ድማ ኣመኔታ ከስእን ዝገብር ተግባር ስለዝኾነ ነቲ ፓርቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ’ሎ ኢሎም ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ መርጋ በቃና።ኣብ ዝቕፅል እውን ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ዘይዕቀብ እንተኾይኑ ንምጥሓስ ስነ ምግባር ዝምጥን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል እቲ ቦርድ የፍልጥ ኢሎም ብምውሳኽ።
ምኽትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ሓድነት ኣቶ ግርማ ሰይፉ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መልሲ ፓርቲ ሓድንት ብመሰረት ሕገ ደንቡ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ፀዊዑ እዩ።ካብዚ ወፃኢ ቦርድ ምርጫ ብሓባር ጉባኤ ፀውዑ ክብል ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሎም።
ዝተኸፋፈለ ኣካል ኣመራርሓ የለን ዝኾረዩ 10፣15 ሰባት እንተሃሊዮም ኣባላት ኣመራርሓ ኣይኮኑን፣እንተኾን ግን ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዓዲምናዮም ኢና ኢሎም ኣቶ ግርማ ሰይፉ።ንሓድነት ካብቲ ፀዋታ ወፃኢ ናይ ምግባር ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኢሎም።
ነቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ሓድሽ ነገር ዘይኮነ ትፅቢት ዝግበር መሰረት ዘይብሉ ኽሲ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ንገብሮ ዝነበርና ልዕልነት ሕጊ ብዝሓለወ መልክዑ ኢና ክንቀሳቐስ፤ካብ ኣካይዳና ንድሕሪት ዝመልሰና ወይ ዝቕይረና የለን ኢሎም።
ምርጫ 2007 ዓ/ም እናቐረበ እዩ።እቲ ምስሕሕባ እውን ቀፂሉ’ሎ።