ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ክፉት ዕድል ዝሃበ ከምዘይነበረ ኣምባሳደር ደቪድ ሺን ተዛሪቦም


ኣብ ግዜ ምምሕዲር ክሊንተን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩስ ዝነበሩ ደቪድ ሺን፡ እቲ ረስኒ ካብቲ ዝሓለፈ ዝዘሓለ`ዩ፡ ኸምኡ ዓይነት ናዕቢ`ውን ክንጽበ ኣይንኽእልን ይብሉ።"ኸምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓይነት ዝድገም ኣይመስለንን። ሽሕ`ኳ ሓሓሊፉ ቕትለታት ክርኣይ ጀሚሩ እንተሃለወ ፡ ብኽሊቲኦም ወገናት ዘሎ ውድድር ኻብቲ ናይ 2005 ዝተሓተ`ዩ። ኾይኑ ግን እዚ ሓሓሊፉ ዝርኣይ ዘሎ ቕትለታት`ውን ጽቡቕ ምልክት ኣይኮነን” ኢሎም።

ኣምባሳደር ደቪድ ሺን ብዛዕባ ንምርጫ ዘሎ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ተቓወምቲ ኣብ ምጥቃም ሚድያን ገንዘብን ዕድሎም ድሩት ምዃኑ ይገልጹ። “ ንተቓወቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ዕድል ብተዛማዲ ዝተደረተ`ዩ። ስለዚ ኣብ`ዚ ምርጫ ርኡይ ውጽኢት ከመዝግቡ ንባዕላቶም`ውን ትጽቢት ዝገብሩ ኣይመስለንን ዝብሉ ኣምባሳዶር ሺን፡ ንመንግስታዊ ምድያ ናይ ምጥቃም ዘለዎም ዕድል ትሑት ምዃኑን ንጎስጓስ ምርጫ ዝውሃቦም ግንዘብ`ውን ኸምዘውሕድሎም`ዩ ይዛረቡ። እዚ ከምዚ ዝበለ ፖሊቲካዊ ኩነታት ሃንደበት`ዶ ኾይንኩም ዝብል ሕቶ ቐሪብሎም፡ ኣይፋሉን ኢሎም።"እዚ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ፖሊቲካዊ ኩነታት ንዓይ ኣየገረመለይን። ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ናይ 2005 ምርጫ፡ መንግስቲ ክፉት ክኸውን`ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይጸነሓንን። ኣነ ዲርጋ ከም ናይ 1995 ወይ ኣብ 2000 ዝነበረ ዓይነት ክኸውን`ይ ዝብል ትጽቢት`ዩ ጸኒሑኒ። ሕጂ ክርእዮ ኸለኹ ግን ካብ ናይ 2000 ዝሓሸ ኻብ 2005 ግን ብዝተሓተ ደረጃ ፖሊቲካዊ ባይታ ዝጸበበሉ`ዩ ኩነታት`ዩ ዘሎ። ኸምኡ ኾይኑ ግን ተቓወምቲ ገለ ወናብር ናይ ምስዓር ዕድል ክህልዎም`ዩ።"ኢሎም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ተቓወምቲ ለሽ ኢሎም`ዶ ክገድፍዎ`ለዎም ወይስ ኣብዘለውዎ ነኺሶም ንቕድሚት ዝስጉምሉ ጩራ ይራኣየኩም ዝብል ሕቶ ኣቕሪበሎም ኣምባሳደር ዲቪድ ሺን “ኣይፋሉን ክቕጽሉ`ዩ ዘለዎም” ይብሉ።

"ኣብ`ዚ ምርጫ ወናብር ዝተዓወቱ ኣባላት ተቓወምቲ፡ ንዝረኸብወን ወናብር ክሕዙ ኣለዎም። ነተን ዝረኸብወን ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊኡ ሓዪሊ እናደርዑ እንተኸዱ ዝሓይሽ ይመስለኒ። ብእኡ ኣቢሎም`ውን ናይ ፖሊሲ ሓሳባቶም ክሃንጹ ይኽእሉ። እኳ ድኣ ኣብዚ እዋን`ዚ ምስ ኢህወደግ ዘለዎም ናይ ፖሊሲ ኣፈላላይ ኣብ ምንጻር ርኡይ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ይመስለኒ።"

ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ኸም ፖሊቲካዊ ኣማኻሪት ኾይና ዝሰርሐት ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኮለጅ Oberlin- Eve Sandberg፡ ግና፡ እቶም ተቓወምቲ ዲርጋ ጠፊኦም`ዮም ትብል።

“መራሕቲ ተቓወምቲ: ወይ ተኣሲሮም ወይ ናብ ስደት ኣምሪሖም ወይ ድማ ንቕድሚት ክስጉምሉ ዝኽእልሉ መንገዱ ስለዘይተራእዮም ገዱፎሞ`ዮም። ኸም ተቓወምቲ እንተቐሪቦም ብዙሓት ኻብኦም ይቕተሉ ወይ ይእሰሩ ወይ ይንከላበቱ”

ናይ ሎሚ ዘመን ምርጫ ፍልይ ካብ ዘብሎ ሓደ፡ ኣብቲ ፅኑዕ ደጀን ሕወሓት ዝብሃል ክሊ ትግራይ፡ ካልእ ተነሓናሒ ውድብ ምፍጣሩ`ዩ- ዓረና ትግራይ።ኣብ`ታ ቐዲማይ ሚኒስተር መለስ ዝወዳደሩላ ከተማ ዓድዋ፡ ኣንጻሮም ገጢመን ዘለዋ`ውን ናይ ቀደም ብጸይቶም ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣዲነ`የን። ገለ ብቪኦኤ ዝተሓተቱ ነበርቲ`ውን ንመን ከምዝመርጹ ንምንጋር ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቪድ ሺን ብዛዕባ`ዚ`ውን ርኢቶኦም ሓቲተዮም ነይረ።"ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚረ ከምኡ ዓይነት ነገር ይሰምዕ ኣለኹ። ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ብጣዕሚ ኣገዲሲ`ይ።ብርግጽ`ውን ተቓወምቲ ኣብ ትግራይ እንተዝስዕሩ ብጣዕሚ ምገረመኒ። ኣብ ትግራይ ገለ መናብር እንተተሳዒሩ ንተቓወምቲ ደራኺ ሓይሊ ክኸውን`ዩ" ኢሎም።

እቲ ዘሎ ጸገም ደረጃን ቕልጣፈን`ዩ`ምበር ዱሞክራሲ ክስጉም ይኽእል`ዩ ዝበሉ ደቪድ ሺን፡ ኩላትና ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ ንግደስ ወገናት እቲ መስርሕ ዱሞክራሲ ብስሉጥን ብዘይዕንቅፋትን ክቕጽል ኢና ንደሊ፡ ኢሎም። ኣተሓሒዞም፡ እዚ ናይ ሎሚ ዘመን ምርጫ ብርግጽ ብመዲይ ንተቓወምቲ ዝተዋህበ ዕድል ዝጸበበን፡ ካብቲ ናይ 2005 ንድሕሪት ዝተመልሰ`ኳ እንተኾነ፡ቀስ እናበለ ግን ክስጉም`ዩ ኢሎም፡ ኣስዒቦም፡

"ውጽኢት ምርጫ ብዘየገድስ ኢህወደግ ዝያዲ ፖሊትካዊ ባይታ ምኽፋት ከድልዮ`ዩ። ፡ ድልየት ህዝቢ ዝውሰነሉ ናጻን ርትዓውን ምርጫ ምግባር ከድሊ`ዩ። እዚ ድማ ሓደ መዓልቲ ዝኸውን ይመስለኒ፡ መዓስ? እንድዒ።

ኢህወደግ ድጋፍ ህዝቢ ስለዘይብሉ፡ ኣብዚ ምርጫ ተዓዊተ እንተበለ ተኣማንነት ክህልዎ ኣይክእልንዩ-ይብሉ ተቓወምቲ፡።ኢህወደግ ብወገኑ ዘርኣኽዎ ኢኮኖሚያዊ ዓወት`ዩ ንኽስዕር ዘኽእለኒ ይብል። ድሕሪ ምርጫ እንታይ ኸጋጥም ይኽእል ዝብል ሕቶ ይምልሱ ኣምባሳደር ደቪድ ሺን

"ብርግጽ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግቶን ኾይነ ብዛዕባ ጽባሕ እንታይ ከምዝኸውን ክዛረብ የጸግመለይ`ዩ። ብዙሓት ነገራት ኣብ ውጽኢት`ቲ ምርጫ ዝምርኮሱ ክኾኑ`ዮም"፡

XS
SM
MD
LG