ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህወዴግ ክዕወተሉ'ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ምርጫ ኢትዮጵያ ይሳለጥ'ሎ!


ምርጫ ኢትዮጵያ 2007
ምርጫ ኢትዮጵያ 2007

ኣብ ኣዲሳበባ ሎሚ ሰንበት ይሳለጥ ዘሎ መስርሕ ምርጫ ነዊሕ ሪጋ ዘለዎ ግና ሰላማዊ ኮይኑ ይቅፅል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ተቃወምቲ ፓርቲታት መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ኣባላቶምን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ስለዝተራኣየሉ እቲ ናፃን ርትዓዊን ኣይኮነን ይብሉ።

ኢህወዴግ ግና ነዞም ክስታት ይነፅጎም።ኢትዮጵያዊያን ንቁጠባዊ ፓሊሰይ ይድግፍዎ'ዮም ባሃላይ'ዩ።

ኣስታት 37 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ኣብ'ቲ ናይ ሎሚ ምርጫ ከድምፁ ትፅቢት ኣሎ።

ዝተማለአ ፀብፃብ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ክነቅርበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG