ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ


በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ንመበል 1,433 ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ።ዓረፋ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ እዚ ዓብዪ ሃይማኖታዊ በዓል ሙስሊማት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያን ብስግዳንን ብመንፈሳዊ ስነስርዓትን ኣኽቢሮምዎ ኣለው።እቲ በዓል ኣብዝተኸበረሉ በቢከባቢኡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ ከምዝተንፀባሪቐ’ውን ተገሊፁ’ሎ።
ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሙስሊማት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ንጉሆ ቅድም ኢሎም ነይሮም ናብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ክውሕዙ ዝጀመሩ።
ሓጂ ሞሓጂር ዲኖ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ናይቲ በዓል ኣተሓባባሪ እዮም።ናይ ኣራዳ ክፍለ ከተማ ናይ ኣህሌትን ወልጀማን ፀሓፊ’ውን እዮም።
ንሶም ናይ ዒድ ኣል-ኣድሓ ወይ’ውን ዓረፋ ታሪኽ ኣመፃፅኣ ብምግላፅ ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ብስግዳንን ብፀሎትን ከምዝተኸበረን ኣብቲ ስነስርዓት ልዕሊ 30 ሽሕ ምእመናን ከምዝተረኸቡን ሓጂ ሞሓጂር ገሊፆም።
ኣብቲ ንሶም ዝነበርሉ ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ከምዘይሰምዑን ምእመናን ሞንዙማ እናስምዑ ብስላም ናብ ገዝኦም ከምዝተመለሱን ሓቢሮም።
ምሉእ ሽመይ ኣይፀራሕ ዝበሉ ሑሴን ዝተብሃሉ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ካብቲ ዝተለመደ ፍሉይ ዝገብሮ ህዝቢ ህውከት ክልዓ እዩ ኢሉ ስለ ዝሰግአ ቅድም ኢሉ ኣብቲ ቦታ ብምርካቡ እዩ ምስበለ ካብ መጀምሪያ ኣትሒዙ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብምሉኡ ናይ ተቓውሞ ድምፁ ከስምዕ ውዒሉ ኢሎም።መንግስቲ ድምፅና ይስማዕ፣ዝተሳሩ ኣባላት ኮሚቴ ይፈትሑ ከምዝበለ’ውን ገሊፆም።
ካብ ከተማታት ደሴን ከሚሴን እውን ምእመንና ተቓውሞ ከምዘስምዑ ገሊፆም ኣለው።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሽመልስ ከማል ቅድሚ ሕዚ ንዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዝሃብዎም መገልፅታት ‘’ንናይ ምስልምና ተቓማት ንምቁፅፃር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣኽራሪ ጉጅለ ከምዝብሎ ከይኮነስ መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሙስሊም ማሕበረሰብ ዝኣተወሉ እዋን ፈፂሙ የለን ‘’ኢሎም።
ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እውን ኣብ ቐረባ እንትዛረቡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነፃነት የኽብር እዩ፤እንተኾነ ግን ፅንፈኛ ጉጅለታት ህውከት ንምፍጣር እናኣለሙ ስልዝኾኑ ፖሊስ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም ኣለው።
XS
SM
MD
LG