መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ወልቂ ጋዜጠታት የብፅሐ ዘሎ ፅዕንቶን ቅድመ ምመያን ንዝተረፉ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ጋዜጣታት ዘጥፍእ እዩ ክብል ሰመጉ ኣተሓሳሲቡ።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ሰመጉ ትማሊ ኣብዘውፅኦ ምግለፂ መንግስቲ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መንገዲ ኣብ ልዕሊ እዞም ጋዜጣታት ፅዕንቶ እናገበረ እዩ።ብናይ መንግስቲ ኣብያተ ሕትመት ዝተዳለው ናይ ሕትመት ደረጃ ወይ’ውን ስታንዳርድ ውዕሊ ኣብቲ መግለፂ ከም ኣብነት ተጠቒሱ’ሎ።
ዋና ዳይረክተ እቲ ትካል ኣቶ እንዳልካቸ ሞላ ቅድሚ ሕዚ ኣብዝነበሩ ስርዓታት ተግባራዊ ክኸውን ዝፀንሐ ሰንሰር ወይ’ውን ቅድመ ምመያ ብሕገ መንግስቲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ቐቢርናዮ ምስበልና ብተዘዋዋሪ መንገድታት ምስ ኣብያተ ማሕተማት ፍሉይ ውዕል ፈርሙ፡መጀምሪያ ኮፒታት ይብፅሐና ዝብሉ ዝተፈላልዩ ድንጋጌታትን ናይ ቃል ትእዛዝን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ፡ናይ ምሕታምን ምዝርጋሕን መሰላት ኣዝዪ ፈታኒ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ ይብሉ።
ጋዜጣ ፍትህ ከይትሕተም ምግባር ኣብቲ መገልፂ ካሊእ ዝተጠቐሰ ነጥቢ እዩ።ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዝሓለፉ እዋናት ኣብዝሃብም መግለፅታት ኣብ ነፃነት ፕሬስ ዝወሃቡ ነቐፌታታት ኣሉታ ሂቦምሉ እዮም።ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት እውን ብዝሰርሕዎም ገበናት እምበር ምስ ናይ ጋዜጥኝነት ስርሖም ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን ይብሉ።