ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ዝተቋረፀ ዝርርብ ከም ዓብዪ ፀገም ዝርኣይ ኣይኮነን ኢሎም ሓደ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያ


 ግድብ ኅዳሴ
ግድብ ኅዳሴ

ኢትዮጵያ 4.8 ቢሊዮን ዳላር ትሃንፆ ዘላ ግድብ ኣብ ዋሕዚ ማይ ሩባ ኣባይ ዘስዕቦ ጉድኣት ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ዝተጀመረ ዝርርብ ምቁራፁ ቁሩብ ናይ ግዜ ምጉታት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ከም ዓብይ ፀገም ዝርኣይ ኣይኮነን ክብሉ ብዛዕባ እቲ ምቁራፅ ዝተሓተቱ ሓደ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ገሊፆም

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካይሮን ዛጊድ ክልተ ልዝባት ኣካይደን ኣለዋ።ካብ 25 ክሳብ 27 ሕዳር 2007 / ኣብ ካርቱም ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ሳልሳይ መደብ ልዝብ ግን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ኣይተኻየደን።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ 12 ኣባላት ናይ ዝሓቖፈ ተደራደርቲ ኮሚቴ ቴክኒክ ብወገን ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር ዝኾኑ ኢንጂነር ጌድዮን ኣስፋው ቅድም ክብል ዝተኻየዱ ክልተ ኣኼባታት ዕውታት ምንባሮም ብምግላፅ ናይ ካርቱም ኣኼባ ዘይተኻየደሉ ምኽንያት ሰለስቲአን ሃገራት ዝሓርይኦ ዓለምለኸ ኣማኸርቲ መፅናዕትታት ዝዛዘምሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብዝምልከት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣብ ካርቱም ንምርኻብ ተታሒዙ ዝነበረ ፕሮግራም ኣይተዓወተን ኢሎም።

ምኽንያቱ ድማ ኢሎም ‘’ብወገን ግብፂ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም ድልየት ብምሃልው እዩ።ዝተሰማማዕናሉ መስርሕን ስፍሓትን እቲ ስራሕ ግን ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ እዩ ዝብል’’ኢሎም።

ሎሚ ግን ኣብ ምርድዳእ ስለዝተበፅሐ እቶም ኣማኸርቲ ፕሮፓዛሎም ንከቕርቡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከምዝግለፀሎምን እቶም 12 ናይ ቴኒክ ኮሚቴ ኣባላት መርሚሮም ዝስዓረ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝተረፈን ሓቢሮም።

እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ከይዲ ሰለስታዊ ድርድር ዕንቅፋት ዝፈጥር እንተኾይኑ ተሓቲቶም እዚ ከም ዓብዪ ዕንቅፋት ኣይርእዮን እየ ኢሎም።’’ ቁሩብ ግዜ ወሲዱሎ፤ግን ከም ዓብዪ ዕንቅፋት ገይረ ኣይወስድዮን ፤እቲ ግዜ ነዊሕ እውን ኣይኮነን።ስለዚ ኣብ ቀረባ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እቶም መፅናዕትታት ከምዝጅምሩ ተስፋ ኣለኒ’’ኢሎም።

እቲ ብዓለምለኸ ኣማኸርቲ ዝካየድ መፅናዕቲ ኣብ ዋሕዚ ማይን ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ዘሕድሮ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ተፅዕኖን ዝምልከት ከምዝኾን ኢንጅነር ጌድዮን ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG