ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾኑ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ኣባልነት ግብፂ ዘሕለፎ እገዳ ካይሮ ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እንድሕ ተመሊሳ ክስተኻኸል እዩ ኢሎም።
ኣቶ ሃይለማሪያም ነዚ ዝገለፁ ንልኡኻት ግዚያዊ መንግስቲ ግብፂ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን እዩ።
ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣማሲዮም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብተመሳሳሊ መንገዲ መፈንቅለ መንግስቲ ዝተፈፀመን ኣብ ማሊ፣ማዳጋስካርን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ዝወሰዶ መዐቀኒ እዩ ኢሎም።
ሕብረት ኣፍሪካ ዝወሰዶ ናይ እገዳ ስጉምቲ ንኸልዕሎ ግብፂ ዝሓተተት እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ ነዚ ዝቕይሮ ብዝህቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ስልጣን እንተሒዙ እዩ ኢሉ’ሎ።
ግብፃዊያን ብዝተፈለየ መልክዕ ዝርኣይሉ ኩነታት የለን ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ልክዕ ከም ማሊ ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብህፁፅ ንምምላስ ፃዕሪ እንተድኣ ገይሮም እቲ ፅምዶ ዘይቅፀለሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።’’ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ብሕጊ ንዝተመረፀ መንግስቲ ምውራድ ብመትከል ይቃወም እዩ።ከምኡ እዩ ድማ ተገይሩ።’’
ግብፃዊያን ልኡኻት ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ’ውን ተዘራሪቦ ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ብወገን ግብፃዊያን ኢትዮጵያ ንዝርርብ ዝኸፈተቶ በሪ ንክቕፅል ዘለዎም እምነት ምግላፆም ሓቢሮም።
ብወገን ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ቀዳማይ ምንስትር ኢትዮጵያ ብግልፂ ከምዘቐመጥዎ ኣብ ግብፂ ብዝተፈጠረ ቅልውላው ንምብላፅ ድልየት ይኹን ዝንባለ የለን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ግብፃዊያን ናይ ውሽጢ ፀገሞም ብሰላማዊ መንገዲ ዝፈትሕሉ ዕድል ንኽህሊ ናይ ኢትዮጵያ ድልየት እዩ፤ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ዝጀመረቶም ሃነፅቲ ፅምዶታት ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ብቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተገሊፁሎም ኢሎም።
ኣብ ካይሮ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ እንተተመሓይሹ ካብ ማሕበረሰብን ካብ መንግስትን ዝተዋፅአ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ግብፂ ከምዝጉዓዝ እውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጦም ኣለው ይብል ፀብፃብ ሄኖክ ሰማእግዝሄር።