ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንምፅዳቅ ውዕል ምምቃል ማይ ናይል ኸፅንሖየ ክትብል ገሊፃ


ኢትዮጵያ ክሳብ ሓድሽ መንግስቲ ግብፂ ስልጣን ሒዙ ዝደራደር ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምቃል ማይ ፈለግ ናይል ዝተገብረ ውዕል ምፅዳቅ ንኸትፅንሖ ተሰማሚዓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገብር ዘሎ ጉጅለ ልኡኻት ግብፂ ነቲ ንግብፅን ሱዳንን መሰል ዋንነት 90-ሚእታዊ ማይ ናይል ዝህብ ናይ እዋን መግዛእቲ ውዕል ዝዓፅፍ ሓድሽ ውዕል ምምቃል ማይ ምፅዳቁ ከምዘደንጉይዎ ገሊፆምሉ።

ኣብ ግብፂ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓምድ ድሪሪ እቲ ምፅዳቅ'ቲ ውዕል ንኽድንጉይ ምግባር ግብፂ ሓድሽ መንግስቲ ንኽትመርፅ ግዜ ንምሃብ መግላፂ ሰናይ ፍቃድ'ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ምስሕሓብ ምምቃል ማይ ናይል ሓድሽ ትኹረት ዝረኸበ ኢትዮጵያ 5-ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ዘመንጩ ፕሮጀክት ኣብ ፈለግ ናይል ኣብ ጥቃ ዶብ ሱዳን ዓብይ ግድብ ከምትሰርሕ ምስ ኣፍለጠት'ዩ።

እዚ መግለፂ ነቶም ብመንግስቲ ሙባረክ ኢትዮጵያ ማይኩም ብምስራቅ ክትቀትለኩም ትፍትን'ላ እናተባህሉ ንዓሰርተታት ዓመታት ክንገሮም ዝፀንሑ ብዙሓት ግብፃውያን ኣፍሪሂዎም'ዩ ይብል መራሒ'ቲ ጉጅለ ግብፂ ።

ኣብ ግብፂ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ድሪሪ ብወገኖም መንግስቲ ሙባረክ ኢትዮጵያ ነቲ ፕረጀክት ካብ ዓለም-ለኸ ትካላት ገንዘብ ከይትረክብ ብምዕጋት ዘይምሕዝነታዊ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ግደ ኔርዎ'ዩ ኢሎም።

እዚ ኸምዚ'ሉ ኸሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምፅዳቅ ውዕል ምምቃል ማይ ናይል ንኽፀንሕ ምስምምዑ ነቲ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝካየድ ምስራሕ ዓብይ ግድብ ጠጠው አየብሎን'ዩ ብዝኾነውን ምስዚ ኣይተሓሓዝን'ዩ ክብሉ ወሃቢ-ቃል ሚኒስተር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG