ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ኣረኣእያ ግብፂ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ለውጢ ይራኣዮ‘ሎ’ ትብል ኢትዮዽያ


ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ንሙሉእ ሪፖርት ተኸታተሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:17 0:00
መራገፊ

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ተራኺቦም ኣብ ሓባራዊ ጉዳያትን እቲ ዝፀንሖ ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ከመይ ምብፃሕ ከምዝካኣል ብሕልፊ ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ዘለው ዘይምርድዳእ ዝፍታሓሉ ኣንፈት ተዘራሪቦም። ካብ ወገን ግብፂ ለውጢ መኣዝን ኣረኣእያ‘ቲ ጉዳይ ይራኣይ‘ሎ ኢሎም።

ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባ/ዲና ”ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ቅድመን ድሕረን ምርጫ ዝህብዎ ዘሎ ሪኢቶ ምስ‘ቲ ዝፀንሐ ዘይቃዶው‘ዩ። ምስ ኢትዮዽያ ናብ ፀገም ክንኣንትው ኣይንደልን።ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሴ ልዝብ‘ዩ ዘድልይ ይብሉ ኣለው።ስለዚ ግብፃውያን ናብ‘ቲ ዘቋረፅዎ መድረኽ ክምለሱ‘ዮም ኢልና ኢና ንኣምን“ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ምስ ቴሌቭዥን ግብፂ ቃለ-ምልልስ ዘካየዱ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ምስ ኢትዮዽያ ክንላዘብ‘ዩ ዝግባእ ኢሎም ነይሮም።

ግብፂ ጉዳይ ኣባይ፣ጉዳይ ሃገራዊ ፀጥታ‘ዩ፣ብመሰረት ኣብ 1929፣1959 ዝተኸትመ ውዕል ክሳብ 54 ቢልዮን ኩብ ማይ ብፂሕት ኣለኒ ዝብል መርገፂ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኣል-ሲሲን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ኣብ ዝተራኸቡሉ ሰዓት ጉዳይ ምቅሊትን ብፅሒትን ኣይተላዕሉን ይብሉ ኣምባ/ ዲና ሙፍቲ።
XS
SM
MD
LG