ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊሲ እዋን ሙባረክ ግጉይ'ዩ ኔሩ- ቀዳማይ ሚኒስተር ግብፂ ኢሳም ሻሪፍ


ናይ ግብፂ ቀዳማይ ምንስቴር ነቲ ኣብ ልዕሊ ማይ ፈለግ ናይል ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሓዱሽ ሃዋህው ዝኸፈተ ክብሉ ዝገለፅዎ ምብፃሕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈፂሞም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢሳም ሻሪፍ ኣብ ኡጋዳን ኢትዮጵያን ን'2-መዓልታት ዘካየድዎ ዑደት ክፍፅሙ ኸለዉ እቲ ንመዋእል ሙባረክ ዝገልፅ ግብፂ ምስ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝነበራ ልቡጥ ርክብ ከም ዘብቅዔ አትንቢሁ'ሎ።

እቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን ናይ ኡጋንዳ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቪኒን ዘካየድዎ ልዝባት ካብ ምስሕሓብ ማይ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ጉዳያት መንፈስ ምትሕብባር ዝተጀመረሉ'ዩ ክብሉ ሚስተር ኢሳም ሸሪፍ ገሊፆም፡ ሕጂ ንገብሮ ዘለና ንምይይጣትን ምልውዋጥ ሓድሽ ሓሳባትን ምቹእ ሃዋሁ ምፍጣር'ዩ ኢሎም።

ሚስተር ኢሳም ሸሪፍ ኣብ መዋእል ሙባረክ ዝነበረ ፖሊሲ ግጉይ'ዩ ኔሩ ድሕሪ ምባል " "ሓንቲ ሃገር ውጥን ምዕባለአን ካብ ምትግባርን ፍልፍል ሓይሊ ፀዓታ ከይትጥቀምን ክኽልክላ ዝኽእል ወላሓደ የለን" ኢሎም።

ኣስዒቦም እቲ ዘሎ ፀጋ ዓብይ ስለ ዝኾነ ኣብ ምይይጥ ተመርኩሱ ኹሉ ተዓዋቲ ክኸውን አለዎ፡ እቲ ሃዋሁ ፈፂሙ ከም ዝተቀየረ ርግፀኛ'የ ክብሉ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG