ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ንውዕል ስምምዕነት ማይ ኣባይ ሎሚ ሶኒ ፈሪመን!


ፕረዚደን ኤል-ሲሲ፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽርን
ፕረዚደን ኤል-ሲሲ፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽርን

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ንመትከላት ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይን ህንፀት ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያን ንዝንፅር ውዕል ሎሚ ሶኒ ኣብ ካርቱም ፈሪመን።

ምኒስቲር ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ኣቶ ኣለማየሁ ተገኑ፣ኣብ’ቲ ሰነድ ውዕል ዝተሓቆፈ ኣጠቃቅም ማይ ኣባይ፣ንሰለስቲኤን ሃገራት ከምዘይጎድእ ኮይኑ ከምዝተዳለወን፣ኣባይ ንህዝቢ ሰለስቲኤን ሃገራት ምንጪ ህይወትን ምዕባለን’ዩ ይብሉ።

ናብ’ዝ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ዕለት ስምምዕነት ናይጊዜ ጉዳይ እንንተዘይኮይኑ ምብፃሕና ዘይተርፍ ምኻኑ ንፈልጥ ነይርና ኢና’ውን ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ኣብ ካርቱም ንውዕል ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈራረሙ መራሒ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣል-ሲሲ ናይ ሰለስተ መዓልታት መገሻ ንምፍፃም ሎሚ ሶንይ ኣዲሳበባ ኣትዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

XS
SM
MD
LG