ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን 'መፅናዕቲ መን የሳልጥ?' ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ተሰማሚዔን


Nile
Nile

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዘካየደኦ ልዝብ፣ ግድብ ህዳሴ ማይ ዝመልአሉ፣ማይ ዝፈሰሉ ከምኡውን እቲ ግድብ ከስዕቦ ዝኽእል ማሕበራዊን ቁጠባዊን ኣሉታ ዘፅናዓ ትካላት ከምዝተመረፃ ዝመፀና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ኣዲሳበባ ንክልተ መዓልታት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ልዝብ ዝተሳተፉ ምኒስትር ኤነርጂን ማይን ኢትዮጵያ ኣቶ ኣለማየሁ ተገኑ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መረጋገፂ፣ነቶም ክልተ መፅናዕታት ዘካይዳ ቀንዲ ትካልን ዝተወሰኑ መፅናዕታት ዘካይድ ካልእ ሓጋዚ ትካልን ተመዚዞም ኣለው ኢሎም።

እቲ መፅናዕቲ ክሳብ 11 ኣዋርሕ ክወስድ’ዩ፣እንተኾነ ከይዲ ህንፀት’ቲ ግድብ ከምዘይቛረፅ ንምፍላጥ ተካኢሉ’ሎ ይብል ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ብመሰረት ምንጭታት ቪኦኤ እቶም ዝተመረፁ ትካላት ነቲ ቀንዲ መፅናዕቲ ዘካይድ ፈረንሳዊ ትካል፣ንውሱንን ሓጋዚን መፅናዕቲ ዘካይድ ድማ ሆላንዳዊ ትካል ምኻኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG