ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ምንስቴር ግብፂ ንዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም


ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ቃል ካብቶም ናይ መመያየጢ ኣጀንዳታት ሓደ ግድብ ኣባይ እዩ ይብሉ።

ቀዳማይ ምንስቴር ግብፂ ኢሳን ሻራፍ ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘንኦም ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናውን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ንምዝርራብ ሎማዕንቲ ኣማሲዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ቃል ካብቶም ናይ መመያየጢ ኣጀንዳታት ሓደ ግድብ ኣባይ እዩ ይብሉ።

ኣስዒቦም ድማ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ንዘራረብ ዝብል ሓሳብ እዮም ዘቕረቡ።ካብዚኦም እቲ ዝተልዓለ ጉዳይ መዘራረቢ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ምግማት ይቐልል እዩ።እቲ ኣጀንዳ እቶም ጋያሹ መፂኦም ዘልዕልዎምን ብወገና ድማ ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ዝልዓሉ ጉዳያትን ስለዝኸውን ኣቐዲምካ ኣብዚ ጉዳይ እዩ፡እዚ ከልዕሉ እዮም፡እዚ ኣየልዕሉን ኢልካ ምዝራብ ኣፀጋሚ እዩ።’’ይብሉ።

ሃገሮም ንሩባ ኣባይ ንኸይትጥቀም ግብፂ ዓንቃፋይ ጊደ ምፅዋታ ሰበስልጣንን ምሁራንን ኢትዮጵያ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።ግብፂ ዘለዋ ተሰማዕነት ተጠቒማ ሃገሮም ንመስርሒ ግድብ ዝኸውን ልቓሕን ሓገዝን ንኸይትርከብ ዕንቅፋት ምፍጣራ ናይ መጀምሪይኣ ከምዘይኮነ ኢትዮጵያዊያን ይዛረቡ።

ኮይኑ ግን ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ካብ ናይ ግብፃዊያን መርገፂ ኣንፃር ተስፋ ዝህቡ ኩነታት እናተፈጠሩ ምዃኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ እናገለፀ እዩ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበልዎ እቲ ናይ መርገፂ ምልስላስ ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ኣብዝመፀ ልኡኽ ጉጅለ ዲፕሎማሲ’ውን ተንፀባሪቝ እዩ ይብሉ።እቲ ዝተርኣየ ናይ ቅዋም ምልስላስ ኣብቲ ናይሎሚ ልኡኽ ከምዝርአ’ውን ተስፍኦም ገሊፆም።

ሎማዕንቲ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ምንስቴር ወፃኢ ግብፂ ኢሳን ሻራፍ ፅባሕ ምስ ፕሬዝዳንት ግርማ ወልደጊዮርግስ ድሕሪ ፅባሕ ድማ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG