ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፅን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉአን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ


ETHIOPIA DAM
ETHIOPIA DAM
ኢትዮጵያ ንግዙፍ ግድብ ሃይድሮኤልክትሪክ ንምህናፅ ንሩባ ኣባይ ንምቕልባስ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ስዒቡ ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምዝሓል ግብፅን ኢትዮጵያን ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።እንተኾነ ግብፂ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንዝተጠቐመቶም ተረርቲ ቃላት ይቕሬታ ኣይሓተተትን።

ምንስቴራት ወፃኢ ኢትዮጵያን ግብፅን ትማሊ ሰንን ሎማዕንቲ ንጉሆ ሰሉስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም ኣለው።መዘራረቢ ነጥቢ ኢትዮጵያ ንዓብዪ ግድብ ህዳሴ ንምስራሕ ንሩባ ኣባይ ምቕልባሳ ስዒቡ ዝተፈጠረ ወጥሪ ዝምልከት።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎማዕንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ክልቲአን ሃገራት ብዓለምለኸ ጉጅለ ክኢላታት ዝተወሃቡ መፍትሒ ሓሳባት ንኽትግበሩን ዝርርብ ንኽቕፅልን ተሰማሚዐን ኣለዋ ኢሎም።’’ክልቴና ብሕውነታዊ መንፈስን ሓባራዊ ምርድዳእን ተሳትፎ ሱዳን ሓዊሱ ብዓለምለኸ ጉጅለ ክኢላታት ዝተውሃቡ መፍትሒ ሓሳባት ንምትግባር ኣብ ቴክኒካውን ፖለቲካውን መዳያት ንምምኽኻር ተሰማሚዕና ኣለና።’’

እቲ ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ግብፂ ንቀረብ ማየይ ዘስግእ እዩ ንእትብሎ ናይ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ግድብ ስዒቡ ካብ ዝተርኣየ ምጉህሃር ወጥሪ ፍልይ ዝበለ እዩ።

ዝበዝሕ ማይ ናይል ካብ ኢትዮጵያ ይምንጩ።እንተኾነ ብመሰረት ብብሪታኒያ ዝተፅሓፉ መግዛእታዊ ውዕላት ግብፂ 87 ሚእታዊ ማይ ናይል ተጠቃሚት ይገብራ።

ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከም ግብረ መልሲ እቲ ናይ ግድብ ፕሮጀክት ኩሎም ኣማራፂታት ኣብ ቦትኦም ኣለው ብምባል ክሳብ ምጥንቃቕ በፂሖም እዮም።

እቲ ብዝልዓሉ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዝርርብ ኢትዮጵያ ኣጠቓቕማ ማይ ብዝምልከት ነቲ ናይ መገዛእታዊ ውዕላት ዝትክእ ሓድሽ ሕጊ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምፅዳቕ ሻድሸይቲ ሃገር ኣብ ዝኾነትሉ እዋን እዩ።ሩዋንዳ፣ብሩንዲ፣ኬንያ፣ታንዛኒያን ኡጋንዳን እቲ ውዕል ድሮ ፈሪመናሉ ኣለዋ።ግብፂ ካብ ዘይፈረማ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ መሓመድ ከማል ኣሚር ገለ ፖለቲከኛታት ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ይህነፅ ዘሎ ግድብ ውዲት ክፍፀም ኣለዎ ኢሎም ንዘቕረብዎ ሓሳብ ሃገሮም ይቕሬታ ክትሓትት የብላን ኢሎም።’’ገሊኦም ዝተውሃቡ ሪኢቶታት ኣብ እዋን እቲ ረስኒ እዮም።ወይ ድማ ካብ ስምዒት ተላዒሎም እዮም።ጣዕሳ ኣየድልን።’’

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ እቲ ግድብ ብዛዕባ ዘሕድሮ ፅልዋ ዝርርብ ንምቕፃል ኣብ ቀረባ ናብ ካይሮ ክገሹ ትፅቢት ይግበር።
ግብፂ ንዝጎድላ መጠን ማይ ብዝሓሸ ኣትሓሕዛ ማይ ክተከሓሕሶ ትኽእል እያ ክብሉ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይከራኸሩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጀመረ ህንፀት እቲ ግድብ ድሮ 20 ምእታዊ ተዛዚሙ’ሎ።ኣብ 2017 ኣ/ፈ ምስ ተዛዘመ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት ምንጪ ሓይሊ ኤልክትሪክ ናብ ምዃን ከሰጋግራ እዩ።
XS
SM
MD
LG